ኣባላት ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ንስድራ ስዉኣት ዝገብሩዎ ሓገዝ ብዝለዓለ ከም ዝደፍኡሉ፡ ብ16 ሕዳር ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ – ዓድታት ዓኬሎ፡ ዓሳዒላን ገልዓሎን ንዝርከባ 5 ስድራ ስዉኣት – ንክልተ ዓመት ንምእላየን ሓላፍነት ኣብ ዝወሰዱሉ ኣጋጣሚ ገሊጾም።

“ስድራ ስዉኣት ምሕጋዝ፡ ሕልና ዘቕስን ተግባር እዩ” ዝበሉ እቶም ዜጋታት፡ ኩሉ ኣካል ሕብረተ-ሰብ በብዓቕሙ ከበርክት ኣዘኻኺሮም። ሓላፊ’ቲ ጨንፈር መምህር ረሺድ መሓመድ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ብዝነብራ ስድራቤታት ጀሚሮምዎ ዘለዉ ተበግሶ፡ ኣብ መጻኢ ብዝሰፍሐ ክቕጽሉዎ መደብ ከምዘለዎም ኣረጋጊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣቶ ማሕሙድ ኢብራሂም እውን፡ እዚ ቅዱስ ተበግሶ፡ በብከባቢኡን በብትካሉን ብዝሓየለ ክቕጽል ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

Categories