ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ንሓደስቲ ደያኑን ሽማግለታት ዕርቂን ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ – ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ኣስተምህሮ፣ ንኣስታት 10 ዓመታት ኣብ ኣገልግሎት ንዝጸንሑ ድማ ወረቐት ምስክርን ምስጋናን ተዋሂቡ።

ነቲ ኣስተምህሮ ዝሃበ ሓላፊ ቤት-ፍርዲ ድባርዋ ኣቶ በርሀ ሓጐስ፡ ሓደስቲ ምሩጻት – ስራሕ ቅድሚ ምጅማሮም ዘድሊ ሓበሬታ ንምስናቖም፡ ኣገዳሲ ብምዃኑ እቲ ኣስተምህሮ ከምእተወደበ ሓቢሩ።

ብመሰረት ሓድሽ ኣወዳድባ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣቐዲሙ 14 ዝነበረ ብዝሒ መጋባእያታት፡ ናብ 9 ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ነፍሲወከፍ መጋባእያ ድማ፡ 1 ዳኛን 3 ሽማግለታት ዕርቂን ተመዲቦም ይነጥፉ።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ዝተረኽቡ ነበርቲ፡ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ፡ ፖሊስ፡ ምምሕዳርን ህዝብን ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ርክብ እንተዝገብሩ፡ ጌጋታት ብኣጋ ንምእራም ምሓገዘ ዝብል ርእይቶ ኣቕሪቦም።

Categories