ኣብ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ዝነጥፉ ልዕሊ 100 ሓረስቶትን ኣልማዕቲ ጀራዲንን፡ ምስ ዘርኢ ምቁር ድንሽ ዘላሊ ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም።

እቲ ብጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ዓንሰባ ተወዲቡ፡ ካብ 13 ክሳብ 15 ሕዳር ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ በብእዋኑ ምርምር ተኻዪዱሎም – ውጽኢታውያን ምስ ዝኾኑ ኣዝርእቲ ንምልላይ ክግበር ዝጸንሐ መደባት ምርግጋጽ ውሕስነት መግቢ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተገሊጹ።

ግዝያዊ ሓላፊት ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ወ/ሮ ክብራ ገብረመስቀል፡ ሓረስቶት መኣዛዊ ትሕዝቶ ዘለዎ እኹል መግቢ ባዕላቶም ኣፍርዮም ጠለባት ገዝኦም ከማልኡን ንከባቢኦም ክጸልዉን ካብ ቀንዲ መደባቶም ምዃኑ ገሊጻ።

ምቁር ድንሽ፡ መኣዛዊ ትሕዝቶታቱ ልዑልን ብዝተፈለለየ ኣገባብ ተሰሪሑ ክቐርብ ዝኽእልን ከምዝኾነ፡ ክኢላ ልምዓት ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ ከሰተ ጐይትኦም ኣረዲኡ።

Categories