ዝኽሪ 40 ዓመት ምምስራት ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ብደረጃ ዞባ ጋሽ-ባርካ ብ17 ሕዳር ኣብ ሓውሲ ከተማ ሻምብቆ ተጸምቢሉ።

ኣብቲ ብህዝባዊ ሰልፍን ስነጥበባዊ መሰናድኦታትን ዝተሰነየ መደብ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ወይዘሮ ይሕደጋ ዮውሃንስ፡ ኤርትራውያን ደቂኣንስትዮ ብቓልሰንን መስዋእተንን ዘመዝገባኦ ኩሉ-መዳያዊ ዓወታት፡ ወለዶታት ዝዀርዑሉ ፍሉይ ታሪኽ ምዃኑ ኣረዲኣ። ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መዋእል፡ ብዓጸፋ ስራሕን ተሳታፍነትን ካብአን ዝሕተት ከማልኣ ንዘሎ ድሉውነት ድማ ኣረጋጊጻ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ንተራን ኣበርክቶን ኤርትራዊት ጓልኣንስተይቲ ኣብ ዝሓለፈ መድረኻት ቃልስን መኸተን ድሕሪ ምምጓስ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ሓሓሊፉ ዝርአ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝሃሲ ልምድታት ንምውጋድን፡ ተሳታፍነተን ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምዕዛዝን፡ ምምሕዳር ዞባ ምስ ኩሎም መሻርኽቱ ተወሃሂዱ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብቲ መደብ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ኣብያተጽሕፈት ህግደፍን ሃማመተኤን ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዖም።

Categories