ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ዝበጽሐ ኣእካል – ካብ 22 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብምትሕብባር ህዝቢ፡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት ትካላት መንግስቲን ብወፈራ ይዕጸድ ኣሎ።

ብመሰረት ክኢላ ልምዓት ብቚሊ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መንእሰይ ዑቕባይ መብራህቶም፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ማይተራ፡ ቢሓት፡ ፎርቶ፡ ምራራ፡ ሩባ-ናጻ፡ መዝባ፡ ዝግፈት፡ ጨጓሮ፡ ዓዲሽሖ፡ ሰርሓ፡ ዓዲ-ኣባጊዕ፡ ሓኪርን መጠራን፡ ሰፊሕ ዘራእቲ ተዓጺዱ ኣሎ።

ን15 መዓልታት ብዝተኻየደ ወፈራ፡ ዛጊት ልዕሊ 5 ሽሕ ሄክታር ስገም፡ ስርናይ፡ ሓንፈጽን ጣፍን ከምእተዓጽደ፡ እዚ ድማ 85 ሚእታዊት ከምዘጠቓልል፡ መንእሰይ ዑቕባይ ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ሎሚ ዓመት 11 ዓይነት ኣዝርእቲ – ኣብ 10 ሽሕ ሄክታር ተዘሪኡ ምህላዉ ተፈሊጡ።

Categories