ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክሰላሰል ዝጸንሐ ንጥፈታት – ብ10 ሕዳር ኣብ ከተማ ባረንቱ ገምጋም ተገይሩሉ።

ኣብ’ቲ ዝምልከቶም ኣካላት ዝተሳተፉዎ ኣኼባ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ፍራንኮ ኩባባ፡ ንደቂኣንስትዮን ቈልዑን ግዳይ ዝገብሩ ጎዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ፡ ዕቱብ ኣድህቦ ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ ከምዝጸንሐን፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከም ዝሃበን ገሊጹ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ ከምኡ’ውን ኣባላት ሃገራዊ ቴክኒካዊ ኮሚተ ምርግጋጽ መሰላት ደቂ-ኣንስትዮን ቈልዑን፡ ብደረጃ ዞባን ሃገርን ንዝተሰላሰሉ ንጥፈታት ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ክሳብ ምምሕዳራት ከባቢ ኮሚተታት ብምቛም ዝተጀመረ ስራሕ ኣተባባዒ ኮይኑ ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮን ቈልዑን ዝፍጸሙ ሃሰይቲ ልምድታት ንምውጋድ፡ ምምሕዳር ዞባ – ምስ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ከምዝሰርሓሉ ኣረጋጊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ጎዳእቲ ልምድታት ንምውጋድ ዝወጹ ሕጋጋትን ኣዋጃትን ብግቡእ ክትግበሩ፡ ዓድታት ነናይ ገዛእ ርእሰን ውሽጣዊ ሕጋጋት ብምውጻእ ንፈጸምቲ ክቐጽዓ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ንምብራኽ ቀጻሊ ክስራሓሉ. . . ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories