ምሕያል ዝምድና ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ወለድን ተመሃሮን ብዕቱብ ክስራሓሉ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣቶ ሓጐስ ኣድሓና ኣተሓሳሲቡ።

ምስ ርእሳነ-መማህራንን ኮሚቴ ወለድን ኣብያተ-ትምህርቲ ንኡስ ዞባ ዓሰብ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምክትታልን ምትብባዕን ወለዲ ኣብ ንጥፈታት ተመሃሮን ትካላት ትምህርትን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ። ስሩዕ ርክባት ብምክያድ፡ ዝረኣዩ ጸገማት ብኣጋ ንምፍታሕ ክሰርሑ ድማ ኣዘኻኺሩ።

ሞያ ምምህርና፡ ተካእቲ ወለዶ ብብሉጽ ክብርታት ምህናጽ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ሓጐስ፡ መማህራን ኪኖ ምምሕልላፍ ፍልጠት፡ ንተመሃሮ ብኹሉ መዳይ ኣብ ምዅስኳስ ከተኵሩ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓሰብ ኣቶ ተስፋይ ዘርአ ብወገኑ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ኣብ ትምህርቲ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ፡ ማዕረ’ቲ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ወፍሪ ክኸውን፡ ናይ ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ጻዕሪ ክዓዝዝ ተላብዩ።

Categories