ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ፡ ዝኣኸለ ዘራእቲ ብእዋኑ ኣብ ቆፎኡ ንምእታው ዝዓለመ ወፈራዊ ስራሓት ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ወፈራ፡ ነበርቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ተመሃሮን ይሳተፉዎ ከምዘለዉ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ኣቶ ዓንደመስቀል ኣድሓኖም፡ ሎሚ ዓመት ኣስታት 20 ሽሕን 824 ሄክታር ጣፍ፡ መሸላ፡ ዓተርን ካልእን ከምእተዘርአ ብምሕባር፡ ካብ 24 ጥቅምቲ ጀሚሩ ብዝካየድ ዘሎ ወፈራታት ይእከብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ንዝርከብ ኣእካል ንምእካብ፡ ብወኒን ሓጐስን ይሰርሑ ከምዘለዉ ገሊጾም።

Categories