ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ፡ ስድራ-ስዉኣት ንምእላይ፡ ብ6 ሕዳር ተበግሶ ወሲዶም።

እዚ ተበግሶ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት ዝወስድዎ ዘለዉ ተመሳሳሊ ተበግሶታት እዩ።

ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ስድራ ስዉኣት ምንባይ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጉዳይ ብዘይምዃኑ፡ እቲ ዕማም ምሉእነት ንኽህልዎ፡ ተራን ኣበርክቶን ነብሲ-ወከፍ ዜጋ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ነበርቲ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ኣቐዲሞም ሓላፍነት ምእላይ 23 ስድራ-ስዉኣት ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።

Categories