ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ባጽዕ፡ ስድራ-ስዉኣት ንምእላይ፡ ብ6 ሕዳር ተበግሶ ወሲዶም።
እዚ ተበግሶ’ዚ፡ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለያ ትካላት ዝወስድዎ ዘለዉ ተመሳሳሊ ተበግሶታት እዩ።
ኣብ’ቲ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ኣመሓዳሪ ከተማ ባጽዕ ኣቶ ሃይለ ኣስፍሃ፡ ስድራ ስዉኣት ምንባይ ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ጉዳይ ብዘይምዃኑ፡ እቲ ዕማም ምሉእነት ንኽህልዎ፡ ተራን ኣበርክቶን ነብሲ-ወከፍ ዜጋ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።
ነበርቲ ሓሙሽተ ምምሕዳራት ከባቢ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ኣቐዲሞም ሓላፍነት ምእላይ 23 ስድራ-ስዉኣት ከምዝወሰዱ ይፍለጥ።