ኣብ ጥቕምን ኣገዳስነትን ካዳስተራዊ ምዝገባን ህዝባዊ ኖታዮን ዘተኰረ ዓውደዘተ፡ ብ5 ሕዳር ኣብ ባጽዕ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ካልኦትን ዝተሳተፍዎ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታ፡ ረብሓታትን ኣገባባትን ካዳስተራዊ ምዝገባን ህዝባዊ ኖታዮን፡ ከምኡ’ውን ዜጋታት ክህልዎም ዝግባእ ቅኑዕ ርድኢትን ኣብ መደባት ህንጸት ሃገር ዝህልዎ ኣበርክቶን ዝርዝራዊ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ መብርሂ፡ ካዳስተራዊ ምዝገባ ንብረት – ኣብ ምርግጋጽ ዋንነትን ተጠቃምነትን፡ ኣብ ስሉጥነት ምስግጋር፡ ኣብ ምቕራብ ስታትስቲካውን እዋናውን ሓበሬታ ንብረት፡ ኣብ ምንካይ ግርጭታት መሬትን ጽፈት ምሕደራ መሬትን ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ዝርጋሐኡ ንምስፋሕ ድማ ጻዕሪታት ይካየድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ዜጋታት ኣብ ምትሕልላፍ ዘይንቀሳቐስ ንብረት ክኽተሉዎ ዘለዎም ኣገባባትን ክኸፍሉዎ ዘለዎም ግቡኣትን፡ ብትእዛዝ ቤት-ፍርዲ ናብ ካልእ ዝሰጋገር ንብረትን ምሕዳስ ፕላንን፡ ካብ’ቶም ቈላሕታ ዘድልዮም ጉዳያት ምዃኖም በሪሁ።

ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ካዳስተር ኣቶ ሃብተሚካኤል ወልደጊዮርጊስ፡ ካዳስተራዊ ምዝገባን ህዝባዊ ኖታዮን ዘይነጻጸሉን ማዕረ ጥቕምን ኣገዳስነትን ዘለዎምን ምዃኖም ብምሕባር፡ ንጥፈታት ህዝባዊ ኖታዮ፡ ዛጊት ኣብ ዞባ ማእከል ጥራይ ይሰርሕ ምህላዉ፡ ኣብ ዞባታት ግን ብኣብያተ-ፍርዲ ይፍጸም ምህላዉ ኣረዲኡ።

ተሳተፍቲ፡ ኣፍልጦ ሕብረተ-ሰብ ኣብ’ቲ ዛዕባ ንኽዓቢ፡ በብደረጅኡ ዝወሃብ ኣስተምህሮታት ክውደብ፡ ዘይተመዝገቡ ኣባይቲ ክምዝገቡ፡ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ እቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ዝህልዎ ኣገዳስነት፡ ኣብ ምድንፋዕ እቶት ሃገርን ዞባን እውን ብቐሊል ዘይጥመት ረብሓ ስለዘለዎ፡ ምምሕዳር ዞባ ኣብ ምሕያልን ምስፋሕን ካዳስተራዊ ምዝገባ ብዕቱብ ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories