ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ በብእዋኑ ዝተሃንጻ ዲጋታትን ራህያታትን፡ ጸገም ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ብምፍታሕን ትሕተ-ባይታዊ ማይ ብምህብታምን፡ ኣብ ህይወት ጓሶትን ሓረስቶትን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ሓቢሮም።

እቶም ዜጋታት፡ ጥሪቶም ብቐረባ ዝሰትያኦ ማይን ሳዕሪን ስለዝረኽባ፡ እቲ ካብኣተን ዝጽበዩዎ ይረኽቡ ከምዘለዉ ብምሕባር፡ መብዛሕትአን ራህያታት ድበት ይመልኣ ብምህላወን ግን፡ ትሕዝቶ ማየን ከይጎድል ስክፍታኦም ገሊጾም።

ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ሕርሻዊ ምህንድስና ኢንጂነር መርሃዊ ተስፋይ እውን፡ እተን ራህያታትን ዲጋታትን ብሰንኪ ድበት ክሕዛኦ ዝግብአን ትሕዝቶ ማይ ይሕዛ ስለዘየለዋ፡ ብሓገዝ ማሽነሪ ንምጽራገን ቈላሕታ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ።

ህዝቢ ብወገኑ፡ ኣብ ማይ-ክዖታተን ከትርታትን ዛላታትን ክሰርሕ ዝተላበወ ኢንጅነር መርሃዊ፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ እውን፡ ኣብ ጎርዲኽን ሰቑርን ራህያታት ይስራሓ ከምዘለዋ ሓቢሩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ 11 ራህያታትን ሓንቲ ዓባይ ዲጋን ኣለዋ።

Categories