ዋና ጸሓፊ ሃገራዊ ኮንፈደረሽን ሰራሕተኛታት ኤርትራ (ሃኮሰኤ) – ኣቶ ተኸስተ ባይረ፡ ንተመሃሮ ኣባላት መበል 33 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ “ቃልሲ ሰራሕተኛታት ኤርትራን መስርሕ ህንጸት ሃገር ኣብ ሓድሽ መድረኽን” ብዝብል ኣርእስቲ ብ2 ሕዳር ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣቶ ተኸስተ፡ ንኣመሰራርታን ተራን ማሕበር ኣብ ግዜ ቃልስን ድሕሪኡን ብዝርዝር ድሕሪ ምብራህ፡ ብዛዕባ ዕዮን ዓያይነትን ብፍላይ ኣብ መንእሰያትን ኣብዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽን ኣተኲሩ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

“ዕላማን ራኢን ሃኮሰኤ፡ ባህጊ መንእሰያታ እተርዊ ብልጽግትን ዘይትድፈርን ሃገር ምህናጽ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ተኸስተ፡ እዚ ንኽሰምር፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ – ሃገር ካብኡ እትጽበዮ እጃም ከበርክት ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ። ብቑዕ ሞያን ፍልጠትን ዝዓጠቐ መንእሰይ፡ ቀንዲ ቀላሲ ከምዝኾነ ድማ ኣገንዚቡ።

ኣብ ትምህርቶም ነፊዖም፡ ሃገርን ህዝብን ካብኣቶም ዝጽበዩዎ ንምብርካት ኣበርቲዖም ክሰርሑ ድማ ተላብዩ።

Categories