መበል 23 ዓመታዊ ኣኼባ በይነመንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ክኢላታትን ቊጠባዊ ኮምሽን ኣፍሪቃ ንምብራቕ ኣፍሪቃ፡ “ምፍጣር ሓድሽ ዕድላት ንዞባዊ ውህደት” ብዝብል ቴማ፡ ትማሊ 5 ሕዳር ኣብ ኣስመራ – ሆቴል ኣስመራ ፓላስ ተኸፊቱ።

ኣብ’ቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰብ-መዚ ቤት-ጽሕፈት ቁጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ናይ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓለፍቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታትን፡ ከምኡ’ውን ልዕሊ 250 ተሳተፍቲ ተረኺቦም።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሃብታም ዓቕሚ-ሰብን ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዘለዎ ዞባ ምዃኑ፡ ካብ ግጭት ወጺኡ ምኡዝ ንፋስ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ዘስተንፍሰሉ ዘሎ እዋን ድማ፡ እዚ ጸጋታት’ዚ – ኣብ ምምሕያሽን ምልዋጥን ህይወት ዜጋታት ከምኡ’ውን ኣብ ዞባዊ ውህደት ዝህልዎ ኣበርክቶ ዓቢ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈጻሚት ጉዳያት ቁጠባዊ ኮሚሽን ንኣፍሪቃ – ሚስ ቬራ ሶንግዌ ብወገና፡ ሃገራት ናይ’ዚ ዞባ ኣብ መንጎአን ብዝፈጥራኦ ንግዳዊ ምትእስሳር፡ ብሩህ መጻኢ መንእሰያተን ዘውሕስን ብልጽግና ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘረጋግጽን ምዕሩይን ሚዛናውን ቁጠባታት ክሃንጻ ከምዝኽእላ ኣገንዚባ።

“ንዞባና ዝጸልዉ ስግረ-ዶባዊ ጸገማት፡ ስግረ-ዶባዊ ፍታሓት የድልዮም” ዝበለ ግዝያዊ ዳይረክተር ቊጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንምብራቕ ኣፍሪቃ – ሚስተር ኣንድሩ ሞልድ፡ ዘላቒ ዞባዊ ምዕባለ ንምርግጋጽ፡ ዞባዊ ምትሕብባር ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣወሃሃዲት ትካላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስ ሱዛን ንጎንጊ ድማ፡ እዚ ኣኼባ’ዚ፡ ደገፍ ኤርትራ ንዞባዊ ውህደት ዘነጽር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝዝተየሎም ዛዕባታት ኣብ ዞባዊ ምትሕብባርን ቁጠባዊ ውህደትን ዘለዎም ኣገዳስነት ዓቢ ምዃኑ ኣብሪሃ።

ኣብ’ዚ ኤርትራ እተአንግዶ ዘላን ብቤት-ጽሕፈት ቊጠባዊ ኮሚሽን ኣፍሪቃ – ሕቡራት ሃገራት ዝተወደበን ኣኼባ፡ 14 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ – ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ብሩንዲ፡ ሩዋንዳ፡ ኬንያ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኡጋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ኮሞሮስ፡ ማዳጋስካርን ሲሼልስን ይሳተፋ ኣለዋ።

ኣብ’ዚ ንሰለስተ መዓልታት ዝቕጽል ኣኼባ፡ ሃገራዊ፡ ዞባውን ዓለማውን ኣጀንዳታት ብምትዕርራይ – ዘላቒ ምዕባለ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምርግጋጽ ዝሕግዙ፡ ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ክቐርቡ እዮም።

ኣኼባ በይነ-መንግስታዊ ኮሚተ ላዕለዎት ሰብ-መዚን ክኢላታትን፡ ክሳብ 7 ሕዳር ክቕጽል እዩ።

Categories