ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ዝበጽሐ ዘራእቲ ብእዋኑ ንምእካብ፡ 3500 ተመሃሮ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ህዝብን ዝሳተፍዎ – ካብ 22 ጥቅምቲ ጀሚሩ ወፈራዊ ስራሓት ይካየድ ከምዘሎ፡ ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ኣቶ ተስፋይ ጸጋይ ሓቢሩ።

በቲ ኣብ 10 ምምሕዳራት ከባቢ ዝሰላሰል ዘሎ ዕዮ፡ ዛጊት ኣስታት 1000 ሄክታር ናይ ጽጉማት ከምእተዓጽደ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ተሳተፍቲ፡ ከም’ዚ ዝበለ ወፈራታት፡ ሓደ ካብ ክብርታት ሕብረተሰብና ከምዝኾነን፡ መንፈሳዊ ዕግበት ከምዝስመዖምን ገሊጾም።

Categories