ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ቐይሕ፡ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ሕረትን ዓዲለጅን ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም፡ ካብ ዓዲ-ቐይሕ ክሳብ ኣሸራ ዝኣቱ 22 ኪሎ-ሜተር ጽርግያ ይጽግኑ ኣለዉ።

ነቲ ስራሕ ዝከታተሉ ዘለዉ ኣባላት ኮሚቴ ልምዓት ከምዝሓበርዎ፡ እዚ ካብ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝጽገን ዘሎ መስመር፡ ብውሕጅ ተበላሽዩ ንኣገልግሎት መጓዓዝያ ከጸግም ዝጸንሐ እዩ።

እቲ ሰለስተ ደዞራት እውን ተዋፊረናኦ ዘለዋ ጽርግያ፡ ን15 ዓድታት ከገልግል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories