ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ እዚ ምዕራብ ምስ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብምትሕብባር ዝወደቡዎ ንጽጉማት ወገናት ናይ ምሕጋዝ ወፈራታት ምእካብ ዘራእቲ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ካብ 27 ጥቅምቲ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ቢያራ፡ ዳሴ፡ ዓናጉሉ፡ ፎደ፡ ኩሉኩ፡ ኮናን ሲሲማን ዝተጀመረ ወፈራታት፡ ብምትሕብባር ነበርትን ሓይልታት ምክልኻልን’ዩ ዝሰላሰል ዘሎ።

“ንጽጉም ምሕጋዝ ካብ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” ዝበሉ ተሳተፍቲ ናይቲ ወፈራታት፡ ኣብ ምእካብ ምህርቲ ጥራይ ከይተሓጽሩ፡ ኣብቲ ካልእ ንጥፈታት’ውን ንምሕጋዝ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጾም።

Categories