ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ምስ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ሞጎሎ፡ ድገ፡ ኣቑርደትን መንሱራን፡ ኣብ ኣተገባብራ መደባት ልምዓት ዘትዩ።

ካብ 26 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ’ተን ንኡሳን ዞባታት ኣብ ዘካየዶ ዑደት፡ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምስፋሕ ብቐጻሊ ከምዝስራሓሉ ብምሕባር፡ ህዝቢ እውን ሕጽረታተን ንምምላእ ክወስዶ ዝጸንሐ ተበግሶታት ዝነኣድ ምዃኑ ገሊጹ።

ገለ ትካላት፡ ሰኣን ውሕሉል ኣጠቓቕማ፡ ግቡእ ክንክንን ሕጽረታተን ብኣጋ ዘይምምላእን ይበላሸዋ ከምዘለዋ ጠቒሱ ድማ፡ እዚ ከየጋጥም፡ ህዝቢ ተበግሶታቱ ብዝሓየለ ክቕጽሎ ኣዘኻኺሩ።

ተጠቃምነት ሕብረተ-ሰብ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ኣብ ትካላት ትምህርቲ ድማ ብፍላይ፡ ከምቲ ዝድለ ከምዘይዓበየ ዝሓበረ ኣቦ-መንበር ባይቶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ዑስማን መሓመድዓሊ፡ ኣብ ዋዕላታት ዝወጹ ውሽጣዊ ሕጋጋት ብግቡእ ክስራሓሎም ተላብዩ።

ተሳተፍቲ፡ ጉዳይ ኣብ ዳሳት ዘምህራ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ዋሕዲን ጽበትን መምሃሪ ክፍልታት፡ ሕጽረት መድሃኒት፡ ሽግር ዝስተ ማይ፡ ኣገልግሎት መጓዓዝያን መራኸቢታትን ቈላሕታ ክግበረሉ ኣተሓሳሲቦም።

Categories