ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ – ዓድታት ጉራዕ፡ እንዳደቆ፡ ሓሊቦ፡ ማይ-ሑጻ፡ ትኹል፡ ጸጓሮን ዓዲጎልጎልን፡ ዝነቐጸ ኣእካል ብወፈራታት ከምእተዓጽደ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ካብ 21 ክሳብ 26 ጥቅምቲ ብኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሰራሕተኛታት መንግስትን ተመሃሮን ዝተኣከበ ኣእካል፡ ስገም፡ ስርናይ፡ ዳጉሻን ጣፍን ዘጠቓልል ኮይኑ፡ ኣብ 54 ሄክታር ዝለምዐ’ዩ።

ካብ 22 ክሳብ 29 ጥቅምቲ ኣብ ዓድታት ምምሕዳራት ከባቢ ዳምባን ኮርባርያን ብዝተሰላሰለ ተመሳሳሊ ወፈራታት፡ ኣብ 112 ሄክታር ዝተዘርአ ኣእካል ከምእተኣከበ፡ ተሪፉ ዘሎ መሸላ ድማ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ክጉናእ ምዃኑ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ኣቶ ኣለም መብራህቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ወፈራታት ኣዝዩ ኣድማዒ ከምዝነበረ ብምሕባር፡ ህዝቢ ንወፋሮ ንዝገበሮ እንግዶት ሞጒሱ።

Categories