ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ገስጋስ ትምህርቲ ብሓፈሻ ኣብ ብልጫታትን ብድሆታትን ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ርክባት፡ ብ9ን 10ን ጥቅምቲ ምስ መማህራን ተኻዪዱ።

ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተገብረ ዘተ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ኣቶ ሙሳ ሑሴን ናይብ፡ ኩነታት ትምህርቲ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ብዝምልከት፡ ብኣሃዛት ዝተሰነየ ሰፊሕ መብርሂ ኣቕሪቡ።

ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ካብ ዝነበሩ ብደሆታት፡ ራሕቂ ኣብያተትምህርቲን ዋሕዲ መሳለጥያን እቶም ቀንዲ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ጸገማት በብደረጃኡ ንምፍታሕ ይስራሓሉ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ካልኦት ሓለፍቲ ትምህርቲ እውን፡ ኣብ ምሕደራ ትምህርትን ኣብያተ-ትምህርትን፡ ኣብ ክንክን ተመሃሮን ጥዕናዊ ደገፍን. . . መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ዘተ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ መምህር ህብትዝጊ ኪዳነ፡ መማህራን ስርዓተ-ትምህርቲ ዓቲቦም ክሰርሑሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ከተማ ደቀምሓረ እውን፡ ብ11ን 12ን ጥቅምቲ ተመሳሳሊ ርክባት ከምእተኻየደ ተፈሊጡ።

Categories