ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ – ንኡስ ዞባ ሓልሓል፡ ጽበት መምሃሪ ክፍልታት ንምቅላል፡ ተቐማጦ ተበግሶ ክወስዱ ከምዝጀመሩ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቲ ዝስራሕ ዘሎ ግዝያዊ ክፍልታት ዳሳት እኳ እንተዀነ፡ ሰሪጹ ንዘሎ ንቕሓት ዘርኢ ምዃኑ ዝሓበረ መምህር መሓመድ-ሓምድ እድሪስ፡ ንዘሎ ዋሕዚ ተመሃሮ ብምእንጋድ፡ ካብ ትምህርቲ ዝበኲር ቈልዓ ንኸይህሉ ሓጋዚ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እዚ ብጻዕሪ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ ዝተሰርሐ 15 ክፍልታት፡ ንመዋእለ-ህጻናት፡ መባእታን መደብ ዓረዮትን ከምዘጠቓልልን፡ ድሮ 860 ተመሃሮ ተቐቢሉ ምህላውን ገሊጹ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መለብሶ፡ ንኣስታት 3 ሽሕ ተመሃሮ ኣገልግሎት ዝህባ፡ 4 መዋእለ-ህጻናት፡ ክልተ ናይ መባእታ፡ ሓንቲ ድማ ናይ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories