ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ብ13 ጥቅምቲ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኣቦመንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድና ኤርትራን ሱዳንን፡ መስርሕ ትግባረ ኣቐዲሞም ዝተኸተሙ ሓባራዊ ስምምዓትን ዘተኰረ እዩ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ ተረኺቡ ነይሩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበረሉ ዕድመ፡ ካብ 14 ክሳብ 16 መስከረም 2019 ኣብ ሱዳን ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዝፈጸመ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ምስ ላዕለዎት ሰብ-መዚ ሱዳን ኣብ ዘካየዶ ዘተ፡ ኣብ ሰናይ ጉርብትና ንዝተመርኰሰ ታሪኻዊ ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ሱዳንን ንምድንፋዕ፡ ዝተኸስረ ዕድላት ንምኽሓስ ዘሎ ድሉውነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ መዳያት ቁጠባ፡ ንግዲ፡ ፖለቲካ፡ ዲፕሎማሲ፡ ጸጥታ፡ ወተሃደራውን ካልእን ምትሕብባር ንምዕዛዝ እውን፡ ንኣድማዒ ዞባዊ ውህደት ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ እዩ።

Categories