ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኮምን ኩለን ኣካላትን ብምጒስጓስ ዝሰላሰል ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ብዝለዓለ ውህደት ክስራሓሉ ከምዘድሊ፡ ብ9 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ፡ ሓለፍቲ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባታትን ካልኦት ሞያውያን ሕርሻን ዝተረኽቡሉ ገምጋማዊ ኣኼባ፡ ወፍሪ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብምድንፋዕ እቶታውነት ንምኽዕባት፡ መሬት መገሃጫን ማይ-ክዖታትን ንምምሕያሽ፡ ጥብ ዝበለት ማይ ብምዕቃብ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ንምህብታም፡ ፍግረመሬት ንምክልኻል፡ ከምኡ’ውን ትሕዝቶ ሓመድ ንምህብታም ብዕቱብ ተታሒዙ ዝስራሓሉ ዘሎ ምዃኑ ተገሊጹ።

ንኩነታት ክራማትን ዘራእትን ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ ብደረጃ ዞባ ሎሚ ዓመት ልዕሊ 200 ሸሕ ሄክታር ብክረምታዊ ዘራእቲ፡12 ሽሕ ሄክታር ድማ ብኣሕምልትን ፍረታትን ለሚዑ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ተነጺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ዞባዊ ኣገልግሎት ቁጽጽር ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ሓጎስ ገብረማርያም ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ስ/ ኢ ብ ራ ሂ ም ዓ ሊ ብሰንኪ ድሕነቱ ዘይተረጋገጸ መግቢ ዝኽሰቱ ሕማማት ንምውጋድ፡ ኣፍረይቲ፡ ኣከፋፈልትን ተጠቀምትን ኣብ ኣገባባት ምፍራይ፡ ምዕቃብን ኣጠቓቕማን መግቢ ዘለዎም ኣፍልጦ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ጸረ-ጻህያይን ባልዕን ድማ ብፍላይ ክብ ብምባል፡ ብሞያውያን ንዝወሃብ ምኽርን መምርሒታትን ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።

Categories