ኣብ ንኡስ ዞባ ሓልሓል – ምምሕዳራት ከባቢ ማይ-ኣዋልድን ዓድ-ሕዝባይን፡ ብ6 ሚልዮን ናቕፋ ክልተ ዲጋታት ይስራሓ ኣለዋ።

እታ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ማይኣዋልድ ትስራሕ ዘላ ዲጋ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ንልዕሊ 100 ነበርቲ ፈጢራቶ ዘላ ሽቕለት፡ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ብምህብታም ኣብ ሕርሻዊ ልምዓት’ውን ኣበርክቶ ከምእትገብር፡ ኤሪና ዝተወከሰቶም ወሃብቲ ርእይቶ ገሊጾም።

ነቲ ስራሕ ዝከታተል ዘሎ ኢንጅነር ኤርምያስ ኣስገዶም፡ ኣብ መጀመርያ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ዝጀመረ መስርሕ ህንጸት ዲጋ ማይ-ኣዋልድ፡ 145 ሽሕ ሜተር ኲብ ማይ ክትሕዝን ኣብ ትሕቲኣ ዝርከብ 14 ሄክታር ክተልምዕን ከምእትኽእል ብምጥቃስ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ክትዛዘም ትጽቢት ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ሕዝባይ ትህነጽ ዘላን ን150 ነበርቲ’ቲ ከባቢ ዕድል ስራሕ ዝፈጠረትን ዲጋ፡ ምስ’ታ ናይ ማይኣዋልድ ዝመጣጠን ዓቕሚ ምውህላል ከምዘለዋ፡ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ።

እዛ 90 ሚእታዊት ካብ መስርሕ ህንጸታ ተዛዚሙ ዘሎ ዲጋ፡ ኣብ መፋርቕ ናይ’ዚ ወርሒ ጥቅምቲ ክትዛዘም ትጽቢት ኣሎ።

Categories