ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ጽጉማት ተመሃሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከይበዂሩ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸገማት ንዘለዎም 160 ተመሃሮ ናይ ናውቲ ትምህርቲ ሓገዝ ገይሩ።

ሓላፊት’ቲ ቤት-ጽሕፈት ወይዘሮ ሓሊማ እንሽክ፡ እቲ ሓገዝ ድሕሪ ጽጹይ መጽናዕቲ ከም እተዋህበ ገሊጻ።

ምምሕዳራትን ሚኒስትሪ ትምህርትን፡ ኣብ ምዕዋት’ቲ መደብ ንዝነበሮም ተራን ኣበርክቶን ድማ ሞጒሳ።

ደገፍን ቀጻሊ ምክትታልን፡ ኣብ ውጽኢት ተመሃሮ ይረአ ከምዘሎ ብምሕባር ከኣ፡ ወለዲ ኣብ ምክትታል ደቆም ዕቱባት ክኾኑ ኣዘኻኺራ።

Categories