ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ ኣዋልድ፡ “ሓይሊ ኣዋልድ፡ ዘይተነግረሉን ዓጋቲ ዘይብሉን” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር – ትማሊ 11 ጥቅምቲ ኣብ ኣስመራ – ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ብዝተፈላለየ ንጥፈታት ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ኣምባሳደራትን ዲፕሎማሰኛታትን፡ ከምኡ’ውን ዕድመ ዝተገብረሎም ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ሃማደኤ ወ/ሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ ንጓል እንተምሂርካያን ግቡእ ፍልጠት እንተደኣ ኣዕጢቕካያን፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብልጽቲ ካብ ምዃን ዝዓግታ ከምዘየለ ገሊጻ።

ኣብ ኤርትራ ብዝግበር ዘሎ ውሁድ ጻዕሪ – ተሳታፍነትን ተወዳዳርነትን ኣዋልድ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝምስገን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር ከኣ፡ ዘይምዕሩይነትን ኣድልዎን ብትምህርቲ ከም ዝሰዓር ስለዝተኣምነሉን ስለዝተሰርሓሉን፡ ቁጽሪ ደቂ-ኣንስትዮ ምስ ናይ ደቂተባዕትዮ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ተመዓራርዩ ከምዘሎ ብኣሃዝ ኣሰንያ ኣረዲኣ።

ብደረጃ ዓለም ካብ 2012 ክትዝከር ዝጀመረት ኣህጉራዊ መዓልቲ ኣዋልድ፡ ኣተኵሮኣ ንመሰል ቈልዑ ኣዋልድ ምጥባቕን ንዘጋጥመን ዕንቅፋት ምእላይን ምዃኑ ዝሓበረት፡ ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስስ ሱዛን ንጎንጊ፡ መንግስቲ ኤርትራን ሃማደኤን ምዕሩይ ሕብረተሰብ ክህሉ ንዝገብሩዎ ዘለዉ ጻዕሪን ገስጋሱን ሞጒሳ።

ኣብ ሃማደኤ ሓላፊት ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ወ/ሮ ሰናይት መሓሪ፡ ኣብ ኤርትራ – ቈልዑ ኣዋልድ ኣብ ኣካዳሚያዊ ብቕዓተን ላዕለዋይ ኢድ ሒዘን ከምዘለዋ፡ እዚ ደረጃ’ዚ ተዓቂቡ ንኽቕጽል – ማሕበር ምስ መሻርኽቱ ጻዕሪታቱ ቀጻሊ ምዃኑ ኣገንዚባ።

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቈልዑ ኣዋልድ፡ ብደረጃ ሃገር ን3ይ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ንሻሙናይ ግዜኣ ተዘኪራ።

Categories