ነበርቲ ንኡስ ዞባ ፎሮ፡ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዘሎ ትሑት ተሳታፍነት ንምዕባይ፡ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ክትህነጸሎም ሓቲቶም።

ካብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ዝተወከሉ ዓበይቲ ዓድን ኣባላት ባይቶን፡ ብ22 መስከረም ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ተመሃሮ ድሕሪ 5ይ ክፍሊ ናብ ጉስነት ይምለሱ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ምምሕዳር ዞባ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ዘካይዶ ዘሎ ጐስጓሳትን ምትብባዕን፡ ምኽፋት ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ቀዳምነት ክህቦ ድማ ተማሕጺኖም።

ህዝቢ ተጠቃሚ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኮይኑ ከምዘሎ ብምጥቃስ ከኣ፡ ንዝበለጸ ምዕባለ ርእሰ-ውጥን ክቀላጠፍ፡ ዘላቕነት ጽሩይ ማይ ቈላሕታ ክወሃቦ፡ ንኣድማዕነት ንጥፈታት ምክልኻልን ምፍዋስን ፍግረ-መሬት፡ ናይ ማሽነሪ ደገፍ ክግበረሎም ተላብዮም።

ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ ጠለባት ህዝቢ በብእዋኑን ከከም ቀዳምነቱን ይማላእ ከምዘሎን ክቕጽል ምዃኑን ብምሕባር፡ ሓረስቶት ዶዞራት ክጽበዩ ግዜ ከይሓልፎም፡ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ዝከኣሎም ክገብሩ ኣዘኻኺሩዎም።

Categories