ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ብምርባሕ ደርሁን ንህብን ከምኡ’ውን ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ዝሰልጠኑ 70 መንእሰያት፡ ብ26 መስከረም ተመሪቖም።

እቶም ካብ ምምሕዳራት ከባቢ መረብ፡ ገዛ-ላምዛን ምስላምን ዝተዋጽኡ ኣለይቲ ስድራ መንእሰያት፡ 18 ደቂ-ተባዕትዮ ብመፍረ ደርሁን ንህብን ንክልተ ኣዋርሕ፡ 52 ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብስነ-ጽባቐ ጸጉሪ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝተማህሩ እዮም።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ እቶም መንእሰያት – ብዝቐሰምዎ ሞያ መነባብሮኦም ኣብ ምምሕያሽ ክሰርሑ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ኩሉ ንጥፈታቶም ምትሕብባር ምምሕዳር ከምዘይፍለዮም ኣረጋጊጹሎም።

Categories