ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ትማሊ 30 መስከረም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ-ቐትሪ፡ መልእኽቲ ሃገረ ኤርትራ ንመበል 74 ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪቡ።

“ናይ ሎሚ ዓመት ኣኼባ ሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኣዝዩ ተስፋ ዘለዎ ግዜ ይካየድ

ኣሎ” ክብል መደረኡ ዝጀመረ ሚኒስተር ዑስማን፡ ዝጸንሐ ናይ ዘቤታውን ዞባውን ግጭታትን ጎንጽታትን እዋን፡ ብውሽጣዊ ጸዓትን ዞባዊ ምትሕብባርን ብእወታዊ ምዕባለታት ይትካእ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተር ዑስማን ኣስዒቡ፡ ድሕሪ ኣስታት ርብዒ ዘመን፡ ምስ ምብናን እንኮቐጽራዊ ግሎባዊ ስርዓት፡ ከምኡ’ውን ምግልባጥ ቁጠባዊ ሚዛን ሓይልታት ዘኸተሎ ጽዕጹዕ ውድድርን ነውጺታትን፡ ዓለምና ኣብ ቀራና-መገዲ ንሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ኣብ እትርከበሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ናይ ሎሚ ዓመት መጋባእያ፡ ኣገደስቲ መልእኽትታት ከመሓላልፍ ትጽቢት ከምዝግበረሉ ኣስሚሩሉ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ርብዒ ዘመን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብሕልፊ፡ ጸጋታት’ዚ ክፍለ-ዓለም ብዘይንሕስያ እናተዘምቱ፡ ምስናይ’ቲ “ግጭታት ምውጋድ”፡ “ግጭታት ምፍታሕ” እናተባህለ ዝጭደረሉ ባዶ መብጽዓታት፡ ቅልውላዋት እናተራብሑን እናኸፍኡን ብምኻዶም፡ ሓደ ቢልዮን ህዝቢ ዝያዳ እናተዋሰነ ክመጽእ ምጽንሑ’ውን ኣብሪሁ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝወርድ ዘሎ በደል፡ ቀዳማዊ ኣቓልቦ ኪወሃቦ ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፡ መዕለቢ ብዘይርከቦ ህውከት ንህዝብታት ጅሆ ምሓዝ ድማ፡ ነቲ ዞባ ከቢድ ክሳራ ከምዘስዓበሉ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ኩሉ’ቲ ብድሆታት ተሰጊሩ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ድርኵዂት ትስፉው መዋእል ከምዝርከብ ብምሕባር ከኣ፡ “ንሕና ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንርከብ፡ ከም ወትሩ፡ ብሓያልን ኣድማዒን ምትሕብባርን ውህደትን ንሓባራዊ ዕብየትን ብልጽግናን ንምስራሕ ፖለቲካዊ ድሌትን ጽኑዕ መብጽዓን ኣሎና።” ድሕሪ ምባል፡ ኩሉ ዓይነት ዝምቡዕ፡ ሓላላኽን ሃሳዪን ናይ ደገ ምትእትታዋት ተኣርኒቡ፡ እቲ ከባቢ ጉዳያቱ ባዕሉ ከመሓድር ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ።

ብዘይካ’ዚ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኤርትራ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ዞባዊ ግዴታታ፡ ሓያሎ ዘላቒ መደባት ንቁጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ከምዘሰላሰለት፡ ኣብ’ዚ ትስፉው መዋእል ድማ፡ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚሰብ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ ከምኡ’ውን ቀንዲ ኣፍረይትን ወሃብቲ ኣገልግሎትን ጽላታትብቐንዱ ምውሓስ ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ምዕሩይ ዝርግሐን ዕድላትን ትምህርቲ፡ ጥዕናን መጐዓዝያን ንምዕዛዝ ትሰርሕ ምህላዋን ዘተባብዕ ገስጋስ ተመዝግብ ከምዘላን ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ’ዚ ዘሎናዮ መዋእል ስግግር ናብ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት፡ ካብ ናይ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ተመኵሮታት መለበሚ ተቐሲሙ፡ ህዝብታት ዓለም ናብ ትስፉው ናይ ርግኣትን ብልጽግናን ሰላምን ጐደና ምእንቲ ኪጐዓዙ፡ ኣድማዒ ዓለማዊ ውድብ ስለዘድልዮ፡ ሕቡራት ሃገራት – ምሉእ ፍተሻን ምትዕርራይን ኪግበረሉ ተላብዩ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ቀዋሚት ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ወ/ሮ ሶፍያ ተስፋማርያምን ዝቘመ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ምክትል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ጉዳያት፡ ዋና ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ኣንጻር ፍልሰት፡ ከምኡ’ውን ወከልቲ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ውድባትን ሃገራትን ብምርኻብን፡ ብደረጃ ሚኒስተራትን ወከልቲ ሃገራትን ኣብ ዝተኻየደ ርክባትን ዋዕላታትን ብምስታፍን፡ ርእይቶን መርገጽን ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣነጺሩ።

Categories