ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ክሊ ዕድመ 1 ክሳብ 30 ዓመት ዝርከቡ ልዕሊ 400 ሽሕ ዜጋታት፡ ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ክኽተቡ መደብ ወጺኡ ይስራሓሉ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብ26 መስከረም፡ ብደረጃ ዞባ ዝነጥፉ ኣካላት ኣብ ዝተሳተፍዎ ኣብ ዓዲ-ጓዕዳድ ዝተኻየደ ርክብ፡ ዳይረክተር ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዶክተር ተስፋይ ሰሎሞን፡ ኣብ ኤርትራ 11 ዓይነታት ክታበት ክወሃብ ምጽንሑ ብምሕባር፡ ክታበት ኣንቅጺ ብዘይካ ንውሱናት ገያሾ፡ ብመልክዕ ወፍሪ ክወሃብ እዚ ናይ ፈለማ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ዶክተር ተስፋይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ዕላማ’ቲ ርክብ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መፋርቕ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝብገስ ወፍሪ፡ ዘድሊ ሓበሬታ ብምሃብ ጸጋታት ንምጒስጓስ፡ ከምኡ’ውን ንቕሓት ሕብረተሰብ ክብ ኣቢልካ ንምጽናሕ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ጨንፈር ሓላፊት ኣሃዱ ጥዕና ስድራቤትን ኮምን ሲስተር ደሃብ ሰሎሞን ብወገና፡ ኣብ’ቲ ናይ ክልተ ሰሙን ወፍሪ ከይተኸትበ ዝተርፍ ሰብ ንኸይህሉ፡ ትካላት መንግስቲ፡ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ መዋእለ-ህጻናትን ካልኦትን ዝርከባአን 417 ነቑጣታት ከምዝቘማ፡ እቲ ዕማም ድማ፡ 263 ጉጅለታት ሞያውያን ብምውፋር ከምዝሰላሰል ኣገንዚባ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዞባ ማእከል፡ ኮሎኔል ገብረሃንስ ወልደገርጊስ፡ ቅድሚ ክታበት ምጅማሩ ዝግበር ጐስጓስ ኣብ ዓወት’ቲ ወፍሪ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ተሳተፍቲ ንሕብረተሰብ ከፍልጡን ዝቐሰምዎ ሓበሬታ ከመሓላልፉን ኣተሓሳሲቡ።

ጸረ-ሕማም ኣንቅጺ ዝወሃብ ክታበት፡ ሓንሳብ ምስ ተወስደ ንምሉእ ዕድመኻ ዘገልግል እዩ።

Categories