ብቕዓት ምምሕዳር ብውሁድ ምሕደራ ንምሕያል ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር
ዞባዊ ምምሕዳር ኣቶ ወልደንከኤል ኣብርሃ፡ ምስ ነበርቲ ከተማ ኣቑርደትን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝነጥፉ ኣካላት መንግስትን ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ብ24 መስከረም ዝተኻየደ ርክብ፡ ምስ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ፡ ንርሑቕ ከባቢታት ቀዳምነት ዝህብ መደባት ቁጠባዊ ልምዓት ንምስፋሕ፡ ጽርግያታትን ከዘንቲ ማይን ንምስራሕ፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንምውዳድ ዝዓለመ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ተበጋጊሱ ብጽቡቕ ይሰላሰል ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ወልደንኪኤል ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ቁጽሪ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ ይመጽእ ብምህላዉ፡ ሓድሽ ማስተር ፕላን ንምትእትታውን መንበሪ መሬት ንምዕዳልን ዝኣመስሉ ዓበይቲ መደባት ኣብ 2020 ንምትግባር ውጥን ከምዘሎ ሓቢሩ።

ሕብረተ-ሰብ፡ ኣብ መደባት ምዕቃብ ሓመድን ማይን፡ ምስሳን ሃብቲ ገረብን እንስሳ ዘገዳምን፡ ብዝለዓለ ክነጥፍ ብምዝኽኻር ከኣ፡ ምግታእ ብርሰት ኣግራብ ሓላፍነት ኩሉ ዜጋ ስለዝኾነ፡ ንቑሕ ተሳትፎ ክህሉ ኣገንዚቡ።

ሚኒስተር ወልደንኪኤል ኣቐዲሙ እውን፡ ኣብ’ቲ ዞባ – ኣብ ንኡሳን ዞባታት ድገን መንሱራን ተመሳሳሊ ርክብ ኣካዪዱ ነይሩ።

Categories