እንተስ ብምህለላ ናይቲ ኣማኒ እዝጊ ሓረስታይ፡ እንተስ መዓልቱ ኣኺላ ኣብ ግንቦተ-ሰነ ኣፉ ዝኸፈተ ሰማይ – ብውህበት ዝናቡ መሬት ማይ ክሳብ እትጐስዕ ጅልጥ ምስ ከረማ ብርሃነመስቀል በሪቑ ክርኢ ዘይምነ የለን። መሬት ብደርጓዕታ ሰሓቕ ነጎዳ ኣባጅጎ ከንደቕድቕ፣ ሰማይ ከኣ ብመብረቓዊ ክምስታ ከብረቕርቕ እንከሎ ልቡ ክሞልቕ ዝኸረመ መስከረም እንተሓለመ ኣይነወረን።

ብዕፍንፍን ደበናን ግመን፡ ብዝናብ ካፋን ጥሚቕን ቆሪሩ ዝኸረመ ምድረ ሰማይ፡ ብጸሓይ መስከረም ተጸልዩ ክመውቕ መን ዘይናፍቕ። ክረምቲ ዘብልዕ ኮይኑ’ምበር ሓያል’ዩ። ዝወስድ ውሕጅ፡ ዘሰንብድ ነጎዳን በርቅን፡ ዘይሰድድ ጭቃ፡ ዘኸርድድ ቁሪ ተደማሚሮም ንሂወት ክረምቲ ከጸንክሩ ነቲ ወቕቲ ዘሰንዩ እዮም። ሽንዱሓት ጎቦታትና ርእሶም ብግመን ደበናን ተዓሚሙ፣ ደረቶም ብጠጥዕን ለምዕን ተጎልቢቡ ብታሕጓስ ተቐብቂቦም ከሪሞም። ኢዶም መሊኡሎም ተረፍ ጽጋቦም ነቶም መርገጺ እግሮም ዝኾኑ ሩባታት እኳ ቅልብ ከሪሞሞም። ነቲ መሊሶሞ ዝኸረሙ ቀጠልያ ዝእድያቱ ነጸላ ኣብ መስከረም ዕንበባዊ ሕብሪ ምስ ተወሰኾ ተፈጥሮኣዊ መልክዕ ክዕው ፍስስ ክብል ይርአ።

መስከረም መሰጋገሪት ድንድል እያ። ኣብ መስከረም ካብ ክረምታዊ ጻንሖት ናብ ቀውዓዊ ወቕቲ፣ ካብ ትምህርታዊ ዕረፍቲ ናብ ትምህርታዊ ንቕሎ ንሰጋገር። ሕርሻና ካብ ሓምለዋይ ቆጽሊ ናብ ዕንበባን ፍረን ዘብለሉ – ወቕቲ ተስፋ እያ መስከረም።

እተን ፍልጠት እናቐለባ ንኣእምሮኣዊ ቅልጽም ተመሃሮ ከተርንዓ ሰብና ኣብ ዘለዎ ዝተተኽላ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ተዓጽዩ ንዝኸረመ ኣፍ-ደገአን ዝኸፍታሉ ግዜ ብምዃኑ፡ መኣዲ ፍልጠት ዝባረኸሉ ብሩኽ ወርሒ’ዩ። ቆሪሩ ዝኸረመ ቀጽሪ ኣብያተትምህርቲ ብጨራሕ-መራሕን ውዑይ ትንፋስን ናይቶም ዕንበባታት ተመሃሮ ስሒኑ ይመውቕ።
መማህራን ናውቲ ምህሮ ዓጢቖም ደሮና ድንቁርና ክኹስትሩ ድሮ ተላዒሎም ኣለዉ። እታ መቑሕ መግዛእቲ ንምስባር ብረት ኣልዒልና በረኻ ዝወጻእናላ መስከረም፡ መቑሕ ድንቁርናን ድሕረትን ንምኽርታም ናውቲ ምህሮ ኣልዒልና ናብ ቤት-ትምህርቲ ንኸደላ መንቀሊት ሓርነት እያ። መስከረም ኣብያተ ትምህርትና ጥዋፍ ፍልጠት ወሊዐን ንስጉምና ዘዐንቅፍ ድነ ጽልግልግ ዘሳጉግ ብርሃን ክህባ ዝጅምራሉ ወርሒ ብምዃና – ሓለፋ ኣለዋ።

ዘራእቲ፡ ካብ መሬት በቚሉ ንመሬት ኣጽሊሉ፡ ወለድኩ ሸወትኩ ዝብለሉ ግዜ ኣኺሉ’ዩ። ጉልበቱ ኣብ ግራቱ ብዘይብቂ እናኸዓወ ዘራእቱ ኣለይመለይ ክብል ዝኸረመ ሓረስታይ፡ ነቲ ናብ ኣንፊ ንፋስ ሰሰው ዝበል ዘራእቱ ዝማዓጎ ፍረ እናማዕደወ ዕለተ ምሽዋት ዘቋምተሉ ወርሓት ብምዃኑ፡ ዒላ ተስፋ ሓረስታይ ቡሕ-ቡሕ ዝብለሉ ወቕቲ እዩ። ሸዊት ግራት፡ ተኣሊኻ ቅጸ ዝብል ሓያል ስሕበት ኣለዎ። ሸዊት ክሉቚምጽ ኢዱ ዘይሰድድ ሰብ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። ሸዊት ቀንጢብካ ብምልቃምካ እውን፡ ሰራቒ ወይ ሌባ ኣየብልን። ናብ ዘራእቲ ብጻይካ ኣቲኻ ሸዊት ብኢድካ ቅጸ፣ ማዕጺድ ግና ኣብ ዘራእቲ ብጻይካ ኣይተእቱ እዩ ዝተባህለ።

መሬትን ኣብኣ ዘሎ ኩሉን፡ እቲ ዝበለጸ ህያብ ተፈጥሮ ምዃኑ፡ ኣብ መስከረም ዘይስወጦ ሰብ የለን። ንመሬት ከም መዕረፊ፡ ንሰማይ ከኣ ጽላል ብምግታር ቤት ዝሰርዓልና ተፈጥሮ፡ ንከስዐና ዝዕንግል በብዓይነቱ ፍረ፡ ንመንፈስና ዝቕልብ በብዓይነቱ ዕንበባ ከም እተውጽእ እውን ገይሩዋ። እዛ ዕለት መጸ ማእልያ ዘይብሉ ጽባቐ ትቕርበልና መሬት፣ ብስስዐን ዕሽነትን ደቂ ሰባት እናሻዕ ስልማታ እናተቐንጠጠት ክትቁንዞ ከም ዘይጸንሐት፡ ኣብ መስከረም ጽባቐኣ ከም ዘይተሓንኮኸ ከተርኢ ብዕንበባ ተሰሊማ ጋማ ከም ዝኣሰረት መርዓት ውኖኻ ዝምንዝዕ ጽባቐ ክትፈጥር ኣይግድሳን። ጐቦታት ነቲ ብወዲ ሰብ ዝሰንበረን ዝማደወን ገጾም፡ ብዕንበባ ገልገለ-መስቀለ ሸፊኖም፡ ቃንዛ መውቃዕቲ ፋስን ምሳርን ውሒጦም ብሓጐስ ይፍንሸሩ ኣለዉ።

ሰብ ብዘይክዳን ዕሩቕ እንካብ ኮነ፡ መሬት ብዘይብቑሊ ደረቕ’ዩ። ከምቲ ሰብ ዝተቐደ ክዳኑ ለጊቡ ዕርቃኑ ክኸድን ዝጋደል፣ መሬት ከኣ ዕርቃን ሕፍረታ ብሳዕረ-ማዕሪ ክትሽፍን ላሕ ኢላ ከሪማ – ኣብ መስከረም ብዕንበባ ተዃሒላ ርኣዩኒ ትብል። ዕንበባ መስከረም ንጎቦን ስንጭሮን ኣጸቢቑ ዓዲ ዝውዕል ኣይኮነን። ጽባቐ ዕንበባ መስከረም፡ ጠባርን ከንቱን ዘይኮነስ፡ ንዝወፈረ ንህቢ ዘስንቕ፡ ንኣፍንጫ ብጥዑምን ቅዱውን ጨና ዝስርንቕ ጽገ ኣለዎ።

መስከረም፡ ገይሸን ዝኸረማ ኣዕዋፍ፡ ዘራእቲ ካብ ቆጽሊ ናብ እኽሊ ዝደርሰሉ ዕለት ምዃኑ ጸብጺበን፡ ናይ መጻእና መልእኽቲ ብጩቕጩቕታዊ ቋንቋን ዕስለኣዊ ኣናፍራን ዘመሓላልፋሉ ግዜ እውን እዩ። ከምዛ ዝዘርኣን ዝጸሃያን መሸላ ክወልድ ምስ መዓጐ፡ ዕፉን ከጭሕም ምስ ኣስገነ እየን ዝቀላቐላ። ፍረ ዘራእቲ ሓረስታይ ቅድሚ ዋናኡ ብኣዕዋፍ ሰማይ እዩ ዝባረኽ። ሽድድታ ኣዕዋፍ ወንጭፍ ካብ ዝተቐመጠቶ ሰፈር ንኽትለዓል ዝገብር እዩ። ወንጭፍ እንከላ’ሞ ኣበይ ቀሲንካ ከይብላዕ! ምስቲ ኣብ ዋላ ተሰቒሉ ወር ዝብለን በዓል ወንጭፍ እናተዃለማ – ሸዊት ከይለቐማ ግን ኣይውዕላን።
ንጽባሕ ምቕማጥ ስለዘይፈልጣ ግዳ፡ ንሽዓ ጸጊበን ንእዝኒ ዘጽግብ ደሃይ’ኳ ይህባ።

መስከረም ኣብ ክረምቲ ኮይንካ እትሕለምን ሃረር እትበሃልን ወርሒ እያ። የውሃንስን
መስቀልን ሓዊስካ ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ በዓላት ዝካየደላ ወርሒ ብምዃና፡ ሓረስታይ ትንፋስ ዝመልሰላ ውዕውዕቲ ወርሒ እያ። ዘርኢ ዓተረሰበረ ወዲኦም፡ ኣብቲ ንዝሓርሱ ኣብዑር ጥራይ ዝፍቀድ ሕዛእቲ በሊዖም፡ ብጽጋብ ዝተሰርነቑ ዝራብዓት ክንቅዉን መሬት ክጽሕትሩን ዝጅምሩሉ ቅነ ጽጋብ’ያ መስከረም። ብሓጋዩ ዝተጻዕነቶም ኣርዑት ካብ ክሳዶም ምስ ወረደት፡ ኣመት ነብሶም ይገብሩን ሓጐሶም ይጽምብሉን። ወጣጡን ደዓውልን እውን፡ በቲ ኩርቲሕ ዝብል ቋንቋ ፍቕሪ ጤለ-በጊዕ፡ ፍትወቶም ክገልጹ ዘይሓንኩሉ ቅንያት ፍትውትው እዩ ቅነኡ።

መስከረም፡ ማዕጓር ፈቃር ቅነ እዩ። በጺሐ ዝበለ’ሞ ኣብ ጥሪ ዳስ ተኺሉ ክውገን ዝወጠነ፡ ኣብዚ-ቅነ ሕልፊ ካልእ እዋን ቁሊሕ የብዝሕ። ብብርቱዕ ስራሕ ክረምቲ ተቐቢሩ ዝኸረመ ኣንስታዊ ጽባቐ፡ ማይ ጳጉሜን ከም ዝኾልዖ ምስ ደመቐ ልቢ ኣጉባዝ ብበርቂ ፍትወት ክስንጠቕ ዘይተርፍ ክስተት እዩ። ብፍቕሪ ዝተሰልበት ልቢ ቀልቢ የብላን። ፈቃር ልቢ ድማ፡ ድላያ ከይረኸበት ተኣባዲት ኣይኮነትን። ደሃይ ልብኻ ሰማዒ ረኺቡ – ሰብ ጻዕዳ ነጸላ ብቛንቋ ወራዙት ‘ጓልኩም ሃቡና’ ኢሎም ጥሉል መልሲ ሒዞም
ክሳብ ዝምለሱ፡ ልብኻ ካብ ሕዝሎ ወሪዳ ቦታኣ ክትሕዝ ማለት ዘበት። ኣብ ልቢ ዝተዓቑረ ዝፈልጡ ወለዲ እንተዘይረኺብካ፡ ሕፍረትካ ብገደል ኣጽዲፍካ ኣፍካ ዝኽፈቶ ግዝያት እውን ኣሎ እዩ።

ብምሳር መልኣኽቲ ዝተጸርበት ወሓለ መልሓስን፡ ስፍሓት ደረት ውቅያኖስ ዝኾነ ልቦናን
ዝውንኑ ወለዲ – ዝበሉዎ እዩ ዝሰልጦም። ነድሪ ቁጥዐ ብኡሳት ዘህድኡ ለባማት፡ ንዝተፋተዉ ብሓረግ መውስቦ ክጠምሩ ክሽገሩ ዘይሕሰብ ስለዝኾነ፡ ምስ ነቐሉ ጥራይ ይፈኹሰካ። ፈለማ ኣዐሪኻ ምእንቲ ከተጣልል – “ጓል መስቀል ርኢኻ ኣይትተሓጸ” ዝበሃል ምስላ ወስ ከየበሉ ግን ኣይነቕሉን።

በቲ ካልእ ከኣ መስከረም፡ ኤርትራውያን ምእንቲ ነባሪ ሰላም – ብጸቕጢ ኣይንዳነን ኢሎም ናብ ገድልን ተጋድሎን ዝነቐሉላ ታሪኻዊት ወርሒ እያ። ንንፋስ ሓርነት ረጊጡ፡ ኣብ ሰማይ ኤርትራ ኣራጢጡ ዝስዕስዕ ዝነበረ ጸሊም ደበና መግዛእቲ፡ ብድምጺ ተኹሲ-ሓርነት ዓዋተ ሸዂሉ ተበቲዑ። ‘ቁራዕ ሓምሊ ውጻእ ቁራዕ ጠስሚ እቶ’ ንዝብል ቅንየታዊ ተረት፣ ‘ባዕዳዊ መግዛእቲ ይባረር ከም ህዝቢ ብናጻ ንናበር’ ዝብል ገድላዊ ምንዮት ሓዊስና ቃኒናዮ። እቲ ሓዊ ብማይ ምጥፋእ ምስ ኣቕበጸ፣ ንሓዊ ብሓዊ ንምጥፋእ ዓዋተ ዝሸርጠጣ ክርቢት-ገድሊ፣ ዝቐጸሉ ወለዶታት ኤርትራ ሳላ ዘሳወሩዎ – ዝመጸ ወራሪ ዝሓርረሉ ባርዕ ሰውራ ተኣጒዱ።

ኣብ መስከረም ዝተናኸሰት ቁልዒ ገድሊ ዘመነ-ጭልምልም ሓሊፋ፡ ናብ ፍረን ተኽሊን
መግዛእቲ ዝእርብድ ባርዕ ነበልባላዊ ገድሊ ዓሪጋ። ህዝቢ ኤርትራ ብህዝባዊ ግንባር
እናተቐለሰ ከይተጎንበሰ ሳላ ዝተቓለሰ፡ መረቕ ዓወት ጐርዳዕ ኣቢሉ ጽምኢ ዘበናት ብናጽነት ኣርውይዎ። ኣብ መስከረም 1961 ናብ ሱባኤ ዝኣተወ ህዝቢ ክሳብ ግንቦት 1991 ብምረት ገድላዊ ቅንዛወ ከይተመንገወ፡ ሓድሕድ እናተሓባሓበ፡ ሞባኡ እናኣውደቐ – ዕጥቁ ከየዝለቐ ሕንጻጽ ዓወት ረጊጹ። ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነት ብፋጻ ብረት ጸዊዑዋ፡ ደልዩዋ፡ ረኺቡዋ፡ ጸምቢሉዋ ድማ።

መስከረም እምበኣር ናብቲ ውቁብ መጻኢና ዘብጽሑ በሪታት ዝኽፈቱሉ እዋን ንቕሎን
ተበግሶን ኮይና’ያ ኣብ ደብተር ታሪኽ ኤርትራ ተመዝጊባ ንረኽባ። ካብ ጭቃጨፈቃ ክራማትን ታኼላ መግዛእቲን ወጺእና ኣብ ሰውሒ ናጽነት ኣራጢጥና ንሰብ ዝግባእ ክብረት ዝሓወሰ ሂወት ክንነብር እጃም መስከረም ብርኩት’ዩ። ኣብ መስርሕ’ዚ ስግግር’ዚ ከምቲ ዓቢ ደራሲ ነፍሲሄር በየነ ሃይለ ኣብታ ትጽቢት ባህጉ እትብል ውርይቲ መጽሓፉ “ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ብሮትን ውቃጦን ኣሎዎ። ብሮት ካብ ኣምላኽ ውቃጦ ካብ ሰብ እዩ ተዋሂቡዎ” ዝበሎ፡ ብሕንፋጦ ብረት ክውቀጥ ነብሱ ቀሊዑ ሂቡ’ዩ። ኲናት፡ ነቲ ደላይ ኲናት ነቒሉ ነቲ ጽሕተራ ኲናትን ጉዕጸጻ ፍትሕን ተጸይኑ ብረት ዘልዓለ ተኺሉን ኣለቢሙን ሓሊፉ።

ኣብ ኲናት ገጢምና ክንስዕር ሓሊምናን ጽዒትና ተዓዊትና ኢና። ሎሚ ካብ መታኾሲ
ዕርድታትና ወጺእና፣ ብረታትና ኣስፊልና መሬት ከነለስልስ፣ ጎቦታት ከነፍርስ፣ ዲጋታት
ክንሰርሕ፣ ጽርግያታት ከነስፍሕ ዝጀመርናዮ ንቕሎ መዓርፎኡ ክበጽሕ ህዝብን ሰራዊትን ኣብ ሓርኮት ፋሕኮት ይርከብ ኣሎ። ገጽ ትርኢት ኤርትራ ከምቲ ኣብ መስከረም ዝምልክዖ ወቕቲ ከይፈለየ ብዕንበባን ጽገን፣ ብጠጥዕን ለምዕን ኣጊጹ ከየስወንወነ ደኺመ ረብሪበ ኢልካ ምልጋስ ወይ ምትኻስ ዝመርጾ ወገን ክህሉ ኣይኮነን። ልዓት ዕርፊ ሒዝና ንድሕሪት ቁሊሕ ኢልና ስለ ዘይንፈልጥ ሕጂ ኣይንጅምሮን ኢና። ድሌትን ቆራጽነትን እንተሎ ዓቕሚ ተደላባይ ምዃኑ ዝተመኮርናዮ’ዩ። ናጽነት ከምኡ ከኣ
ሰላም ተራጥጠሉ ኩነት ዘይኮነስ ዝለዓል ከቢድ ጾር’ዩ። ሓያል ናይ ዕብየት ራእይ፣ ብንቑሕ ውኖ ዝሰርብ ተጋሃዳይ ሕልሚ፣ ደፋእ ኢልካ ዝብጻሕ ቆማት ትልሚ ኣብ መንደቕ ተዛነ ተላጊዑ ክህሰ የብሉን። ሕሉፍ ብምዝካር፣ ንሎሚ ብምምርማር ብዛዕባ ጽባሕ ሃዲእካ ምስትንካር ንሰብ መዳልያ ክብርን ዓወትን ዘውህቦ ተግባር ብምዃኑ ነቶም ሕሉፍ ኣይዘከር እናበሉ ምስ ቀደምና ክፈልዩና ሰንካም ስብከት ዝስንዝሩ እዝኒ ኣይንሃቦም።

ንሰርቢ ክፍኣት ናብ ዝናበ ልምዓት ዝቐየረ ህዝቢ ሕጂ እውን ነቶም ደራሲኡ ዘይፍለጥ
መዝሙር ቀደም ብፈራስ ቅኒት ዝደግሙ ዘለዉ ብቕንኢ ዝጠስጠሱ ወገናት ንዝፍሕሱዎ ፈትሊ ውዲት ፈቲሉ ኣብ መእለሚ ናይቲ ዝውዘፎ እድያት ከውዕሎ ምዃኑ ርጉጽ’ዩ። ምምጽዳቕ ሰብ ጎባጥ ልቢ ነታ ሰሪ ዝኣመነት ብጥልመት ዝሰንበረት ልቢ ኤርትራውያን ክሰልብ ኣይኮነሉን’ዩ። እኩይ ዘመተ ጸላእቲ ኣብ ዝባን መኸተ ኣጽሕዩ መስርዕ ከይበተኸ ጸይሩ ተጻዊሩ ሳላ ዝተሳለየ ብርሃን ኤርትራ ከም ጸሓይ መስከረም ደበና ፈንቂቓ ዳግማይ በሪቓ። ከምቲ ገጣማይ ሳሙኤል ኣልመደ “ንዓኺ ኢልና ሰብ
ዘይመርጾ ንሕና ንመርጾ፣ ጥራሕ እግርና እሾኽ ጨዓ ስለኺ ንረግጾ” ዝበሎ ፡ገጣሚ ኤፍሬም ሃብተጽዮን ከኣ “ጽባቐኪ ደልየ ጽባቐይ ሂበኪ፣ ባህሊ መስዋእትነት ሰትየዮ ጸበልኪ” ኢሉ ዝተቐበሎ፡ ሕጂ`ውን ንስለ ምዕባለ ሃገርና ዘይንህቦን ዘይንገብሮን የለን።

Categories