ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ዓንሰባ፡ ብ24 መስከረም ን1400 ጽጉማት ተመሃሮ ናውቲ ትምህርቲ ብሓገዝ ዓዲሉ።

ካብ’ቶም ካብ ትሽዓተ ንኡሳን ዞባታት ዝተዋጽኡን ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ዝመሃሩን ተመሃሮ፡ እቶም 600 ምሉኡ ናውቲ ትምህርቲ ክወሃቡ እንከለዉ፡ እቶም 800 ድማ ከከም ደረጃኦም ንመመዝገቢ፡ ድቪዛን መጽሓፍትን ዝኸውን ገንዘብ ተኸፊሉሎም።

እቲ ዕላማ፡ ብሰንኪ ቊጠባዊ ጸገማት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ዝበኲር ከይህሉ ምዃኑ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት ማሕበራዊ ድሕነት – ኣቶ ዮናስ ኣልኣዛር ሓቢሩ።

ወለዲ፡ እዚ ዓመት መጸ ንጽጉማት ወገናት ዝግበር ደገፍ፡ ኣብ’ቶም ተመሃሮ ደራኺ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጾም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ንኡስ ዞባ ከረን፡ ኣቶ ፍስሃየ ኣርኣያ፡ እቲ ስጉምቲ ብምውህሃድ ምምሕዳራት፡ መማህራንን ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝተወስደ ምዃኑን፡ ኣብ መጻኢ ተወሳኺ መጽናዕቲ ንምክያድ መደብ ከምዘሎን ሓቢሩ።

Categories