ብውሕጅ ኣስታት 90 ኣባይቲ ምስ ምሉእ ንብረቱ ዝሰኣኑ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ እምበረሚ – ንኡስ ዞባ ባጽዕ፡ ብሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ደገፍ ተገይሩሎም።

እቲ ሓገዝ፡ ምሉእ ናውቲ ክሽነ፡ ኮቦርታታት፡ ተንኮበትን መነጻጽህን ከምዘጠቓልል፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቶም ዜጋታት፡ እምበረሚ ኣብ መጻኢ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ሓደጋታት ንኽትድሕን፡ ብዝተጸንዐ መንገዲ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ክትድኰን ተላብዮም።

ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ነሓሰ ብዝሃረመ ብርቱዕ ዝናብ፡ ሩባ ኣውሳ ልዕሊ ንቡር ብምምልኡ፡ ሰዓት ሓደ ናይ ለይቲ ውሕጅ ናብ ዓዲ ኣትዩ ዕንወት ከምዘውረደ ኣብ እዋኑ ተቓሊሑ ነይሩ።

Categories