ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ንዝካየድ ወፍሪ ክታበት ሕማም ኣንቅጺ፡ ዘድሊ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ፡ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ገሊጹ።

ብ24 መስከረም ኣብ ባረንቱ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ’ቲ ዞባ ኣብ ዝተገብረ ርክብ፡ ዳይረክተር’ቲ ጨንፈር ዶክተር ሓየሎም ኪዳነ፡ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 750 ሽሕ ካብ ሓደ ክሳብ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ዜጋታት ንምኽታብ መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ። ነቲ መደብ ንምዕዋት ዘድሊ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ እውን ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ ድማ፡ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ንምዕዋት፡ ምምሕዳር ዓቕሚታቱ ኣወሃሂዱ እቲ ዝከኣል ክገብር ምዃኑ ኣረጋጊጹሎም።

እቲ ናይ ክታበት መደብ፡ ኣብ’ቲ ክሊ ዕድመ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊትን ሓይልታት ጸጥታን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሳዋ ዝርከቡ ሰልጠንቲን ኣሰልጠንትን ከም ዘጠቓልል፡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ቅንያት፡ ጐድኒ-ጐድኒ ክታበት ኣንቅጺ፡ ካብ 6 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ንዝዕድመኦም ህጻናትን ቈልዑን ቪታሚን A ክዕደል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories