ላዕለዎት ክኢላታት መጥባሕትን ተሓጋገዝትን ዘጠቓልል ሱዳናዊ ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበሰር’፡ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕናን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ብምውህሃድ፡ ካብ 10 ክሳብ 16 መስከረም፡ ካብ መላእ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝመጹ 424 ዜጋታት ኣብ ሆስፒታል ባጽዕ ዕዉት መጥባሕቲ ዓይኒ ኣካዪዱ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ወፍሪ፡ 4 ሽሕ ሰባት ከም ዝተመርመሩን ናይ ምርኣይ ጸገም ዝጸንሖም 1500 ድማ መነጸርን መድሃኒትን ከምእተዓደሉ ዝሓበረ ዳይረክተር’ቲ ጉጅለ ፕሮፈሰር መሓመድ-ኑር ሓሰን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓያል ውዳበ፡ ኣብ ዓወት ናይቲ መደብ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ገሊጹ።

እቲ ኣድማዒ ስራሕ፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ኩለን ንኡስ ዞባታት ዝተኻየደ ጎስጓሳት ምዃኑ ዝጠቐሰ ክኢላ መጥባሕቲ ዓይኒን ኣወሃሃዲ ናይ’ቲ ወፍሪን ዶ/ር ሳሙኤል ከበደ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝካየድ መጥባሕቲ’ኳ እንተሎ፡ እዚ ዓመት መጸ ምስ ጉጅለ ‘ኣልበሰር’ ብምውህሃድ ዝካየድ መደብ ግና፡ ኣብ ምልውዋጥ ተመኵሮ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ሓቢሩ።

ሜዲካል ዳይረክተር ሆስፒታል ባጽዕ ዶ/ር በርሀ ተስፋይ ብወገኑ፡ ምስ’ቲ ጉጅለ ተፈጢሩ ብዘሎ ጥቡቕ ዝምድና፡ ብዙሕ ተመኵሮታት ይቕሰም ከምዘሎ፡ ስለዚ ድማ እቲ ኣገልግሎት ናብ ዝሰፍሐ ተጠቃሚ ክበጽሕ ክኢሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ተመሳሳሊ ወፍሪ፡ ኣብ ሆስፒታላት ከረንን ዓዲ-ቐይሕን ክካየድ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ንትግባረ ናይ’ቲ መደብ ንምክትታል ኣብ ዝገበረቶ ዑደት፡ መጥባሕቲ ንዝተኻየደሎም ዜጋታት በጺሓ።

ጉጅለ ሓካይም ‘ኣልበሰር’፡ ሎሚ ዓመት ወሲኽካ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ንልዕሊ 4 ሽሕ ናይ ምርኣይ ጸገም ዝነበሮም ዜጋታት ዕዉት መጥባሕቲ ከምዘካየደ፡ ሰነዳት ሚኒስትሪ ጥዕና የነጽር።

Categories