ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ዝመጽእ ወርሓት ሕዳርን ታሕሳስን ብደረጃ ሃገር ዝካየድ ወፍሪ ክታበት ሕማም ኣንቅጺ ንምዕዋት፡ ዕማምን ሓላፍነትን ኣካላት መንግስትን ሕብረተ-ሰብን ኣብ’ቲ ወፍሪ ንምንጻርን ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታት ንምውህሃድን ዝዓለመ ርክብ፡ ብ16ን 17ን መስከረም ኣብ ዓሰብ ተኻዪዱ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብዝተኻየደ ወፍሪታት ክታበት እኹል ተመኵሮን ብቕዓትን ተጠርዩ ስለዘሎ፡ ኩሉ ጸጋታት ኣብ’ቲ ወፍሪ ከምዝሳተፍ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ።

ሕማም ኣንቅጺ ሓንሳብ እንተተኸሲቱ ብቐሊሉ ዝመሓላለፍ ቀታሊ ሕማም ምዃኑ ዝሓበረ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ሃገራዊ መደብ ክታበት ኣቶ ቴድሮስ ይሕደጎ፡ ዕላማ’ቲ ወፍሪ፡ ነቲ ሓሓሊፉ ክርአ ዝጸንሐ ሕማም ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምጥፍኡ ዝዓለመ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ካብ 1 ክሳብ 30 ዓመት ንዝዕድመኦም ቈልዑን መንእሰያትን ክታበት ጸረ ሕማም ኣንቅጺ፡ ካብ 6 ክሳብ 59 ወርሒ ንዝዕድመኦም ህጻናት ድማ ቫይታሚ ‘ኤ’ ክወሃብ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ወኪል ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና’ቲ ዞባ ኣቶ መሓመድ ናጉስ ብወገኑ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ መሻርኽቱ ተወሃሂዱ ዘካይዶም ጎስጓሳትን ኣስተምህሮታትን፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ምብራኽ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብሩ ስለዘለዉ፡ ወፍሪ ክታበት ኣንቅጺ ብዓወት ከምዝሰላሰል ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ መደብ ስራሕን ምቕርሐ ጸጋታትን ብምዝታይ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ንኡስ ዞባ፡ ምምሕዳር ከባብን ዓድን ክህልዋ ዘለወን መኽተቢ ንቑጣታት ድሕሪ ምልላይ፡ እቲ ወፍሪ ካብ 15 ክሳብ 30 ሕዳር ንኽካየድ ዘድሊ ምድላዋት ክግበር ተረዳዲኦም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሞያውያን ጥዕና፡ ኣመሓደርቲ ንኡስ ዞባታት፡ ሓለፍቲ ጨናፍር ሚኒስትሪታትን ማሕበራትን ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories