ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ጽፈት ኣሰራርሓን ብቕዓት ኣቕርቦትን ዝያዳ ኣተኵሮ ገይረን ክሰርሓ፡ ብ10 መስከረም ኣብ ከተማ ዓሰብ ምስ ወነንቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ተሓቢሩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቱሪዝም ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣቶ ዒሴ ኣሕመድ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ኣብ ቱሪዝማዊ ሰሓብነትን ዕብየትን ልዑል ተራ ስለዘለወን፡ ባህሊ፡ ልምድን ክብርታትን ሕብረተ-ሰብ ዝያዳ ዘጉልሕ ኣገባብን ኣቕርቦትን ክማላእ ንዝገብርኦ ጻዕሪ ከዛይዳ ጸዊዑ።

ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት፡ ጽሬት ትካላቶምን ከባቢኦምን ናይ ምሕላው ግዴታን ሓላፍነትን ኣለወን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ሸለልትነት ምስ ዘርእያ ኣብ ኣታዊታተን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጥር ክግንዘባ ኣዘኻኺሩ።

Categories