ኮሚተታት ብምቛም ኣብ ከባቢኦም ዝርከቡ ስድራ-ስዉኣት ንምሕጋዝ ተበግሶታት ክወስዱ ዝጸንሑ ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ገርገፍ፡ ተበልድያን ኦምሓጀርን – ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ኣወዳድባኦም ብምሕያል ሓገዛቶም ንምዕዛዝ ከምዝሰርሑ ገሊጾም።

እቶም ዜጋታት ነዚ ዝገለጹ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ክገብሩዎ ዝጸንሑ ሓገዛት፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ተበልድያ 30 ሄክታር፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ገርገፍ ድማ 50 ሄክታር ዝሕረስ መሬት ንምንባይ ስድራ ስዉኣት ተሓዚኡ፡ ዓመታዊ ብኮም ተሓሪሱ ፍርያቱ ነቶም ስድራቤታት ከምዝዕደል ኣብ ስምምዕ ኣብ ዝተበጽሓሉ ኣጋጣሚ እዩ።

ኣቦ-መንበር ኮሚተ ምሕጋዝ ስድራ ስዉኣት ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ተበልድያ ኣቶ ነጋሲ መንግስትኣብን ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ገርገፍ ኣቶ ኢብራሂም ዑመርን፡ ምሕጋዝ ስድራ ስዉኣት ንመንግስቲ ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ህዝቢ ጸጋታት ከባቢኡን ጉልበቱን ብምውህሃድ ክገብሮ ንዝጸንሐ ሓገዛት፡ ነባሪ ፍታሕ ብዘረጋግጽ ኣገባባት ከምዝቕጽልዎ ኣረጋጊጾም።

እቲ ተወሲዱ ዘሎ ተበግሶ፡ ብኻልኦት ከባቢታት ክሰዓብ ብምዝኽኻር፡ ኣብ መጻኢ፡ ስድራ ስዉኣት ኣብ መነባብሮኦም መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽኡሉ ናይ ምጥያስ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ ገሊጾም።

Categories