ኣምባሳደር ሶፍያ ተስፋማርያም፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን፡ ብ5 መስከረም ናይ ስራሕ ወረቐታ ንዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣረኪባ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣምባሳደር ሶፍያን ዋና ጸሓፊ ጉተረሽን፡ ኣብ ምድንፋዕ ዝምድና ኤርትራን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዘተኰረ ዝርርብ ኣካዪዶም።

ንተራ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ዝመጐሰ ዋና ጸሓፊ ጉተረሽ፡ ውሑስ ዞባዊ ሰላምን ብልጽግናን ክህሉ ሰናይ ምንዮቱ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሶፍያ ብተወሳኺ፡ ሰናይ ምንዮት ዝሓዘ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብጺሓ።

Categories