ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ዝኽሪ 1 መስከረም – ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ መመረቕታ ሓድሽ ህንጻ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብታ ሃገርን፡ ኣብ ጁባ ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ኣብ’ቲ ጽምብል፡ ሰብ-መዚ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ምክትል ኣመሓዳሪ ከተማ ጁባን ካልኦት ሰብ-መዚን፡ ከምኡ’ውን ዲፕሎማሰኛታትን ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ተሳቲፎም።

ነቲ ህንጻ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤልን፡ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ሚስተር ዴንግ ዳው ዴንግን፡ ንብዙሕነት ብሄራት ኤርትራ ዝገልጽ ኣልባሳት ብዝወደዩ ዜጋታት ተሰንዮም መሪቖምዎ።

ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ እዛ ተረኪብናያ ዘለና – ሰላማን ልኡላውነታን ዝተዋሕሰት ኤርትራ፡ ህያብ 1 መስከረም ምዃና ብምዝኽኻር፡ ብልምዓትን ቁጠባን ከነበልጽጋ መብጽዓ እነኣትወላ ዕለት እውን ምዃና ኣገንዚቡ።

እቲ ህንጻ ኤምባሲ፡ ዋንነቱ፡ ተጠቃምነቱን ምሕደራኡን ናይ ኮም ምዃኑን፡ ንኩለን ውዳበታት ማሕበራውያን ሓይልታት ጠርኒፉ፡ ዝተፈላለየ ሃገራዊ ንጥፈታት ዝካየደሉ “ህንጻ ጽንዓትን ብድሆን” ከምዝኾነ ዝሓበረ ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ኣብ ምጽጋኑ ንዝተሳተፉ ኣካላት ወረቐት ምስክር ዓዲሉ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ሱዳን ሚስተር ዴንግ ዳው ዴንግ ድማ፡ ኤርትራውያን ርእሰ-ማሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ከውፍሩ ምምራጾም፡ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ወትሩ ብእወታ ዝጥቀስ ዘሐብን ተበግሶ ከምዝኾነ ገሊጹ።

Categories