ኣብ እንዳገርግስ – ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ንፈተነ ዝተዘርአ ብ“ሰዓረ” ዝጽዋዕ ዓይነት መሸላ፡ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ኣብ ሕርሻ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ክኢላ ልምዓት ብቚሊ መንእሰይ ኪዳነ ለኣከ፡ እቲ ምሩጽ ዘርኢ መሸላ ኣቐዲሙ ብዝተገብረ ፈተነ፡ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ብዝሒ ማይን ደርቂን ተጻዊሩ ጽቡቕ ውጽኢት ከምጽእ ከምዝኽእል ተኣሚኑሉ ንሓረስቶት ናይ’ቲ ከባቢ ከም እተዓደለ – ዛጊት ኣብ’ቲ ከባቢ ብዘሎ ጽቡቕ ዝርጋሐ ዘለዎ ዝናብ ድማ፡ ጉንቦ ኣብ ምፍላይ ከምዝርከብ ገሊጹ።

እዚ ዓይነት መሸላ’ዚ፡ ን387 ሓረስቶት እንዳገርግስ ከም እተዓደለ ብምሕባር ድማ፡ ካብ ማሕረስ ክሳብ’ዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ፡ ግቡእ ምክትታል ስለዝገበሩሉ ጽቡቕ እቶት ክሕፈሶ ትጽቢት ከምዘለዎም ኣረዲኡ።

ሎም-ዘበን ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ብሓፈሻ፡ ኣብ እንዳ-ገርግስን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ ዝሃርም ዘሎ – ጽቡቕ ዝርጋሐ ዘለዎ ዝናብ፡ በብወቕቶም ዝተዘርኡ ኣእካልን ጥረታትን ኣብ ደረጃ ምውላድን ምሽዋትን በጺሖም ምህላዎም ተፈሊጡ።

Categories