ሚኒስተር ፍትሒ ፈውዝያ ሃሽም፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገርን መጻኢ ኣመታቱን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባዊ ምዕባለታትን መድረኻዊ ሓላፍነት ዜጋታትን ዘተኰረ ሰፊሕ ሰሚናር፡ ብ1 መስከረም ኣካዪዳ።

ሚኒስተር ፈውዝያ ኣብ መግለጺኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነታ ብድልዱል ሓድነቱ፡ ጽንዓቱን ረዚን መስዋእቱን ዘረጋገጻ ናጽነቱ ንምዕቃብን ልኡላውነቱ ንምውሓስን፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ኣንጻር ኩሉ ዘንቀደ ውዲታት ንዘርኣዮ ሓያል መኸተን ናይ ቃልሲ መንፈስን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ መድረኽ ሰላም፡ ዘላቒ ምዕባለ ንምርግጋጽ፡ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዓቕሚታቶም ኣወሃሂዶም ነቒሎም ኣብ ዘለዉሉ፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት መሳርዖም ኣደልዲሎም ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ኣዘኻኺራ።

ሚኒስተር ፈውዝያ ኣብ መግለጺኣ፡ ኣብ መደባት ልምዓት ብሓፈሻ፡ ምውዳድ ትሕተ-ቅርጺ፡ ምስፋሕ ኣገልግሎታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ፍትሒን ካልኦትን ድማ ብፍላይ ዝተመዝገበ ገስጋስ ዘነጽር፡ ብመጽናዕቲን ጭብጥታትን ዝተደገፈ ሰነዳት ስለዘሎ፡ ኩሉ ዜጋ ክውከሶን ንቕሓቱ ከበርኽን ጸዊዓ።

“ብዛዕባ መጻኢ ምዝታይ ማለት፡ ብዛዕባ መንእሰይ ምዝታይ ማለት’ዩ” ዝበለት ሚኒስተር ፈውዝያ፡ መንእሰያት ኤርትራ ብሃገራዊ ክብርታትን ዜግነታዊ ኣተሓሳስባን ተዀስኲሶም፡ ነዚ ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ብብቕዓት ከምዝምክትዎ ጽኑዕ እምነታ ገሊጻ።

ሚኒስተር ፈውዝያ ሃሽም ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ተሳተፍቲ ኣብ ዝቐረበላ ሕቶታትን ርእይቶታትን መብርሂ ሂባ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ሓድሽ ህንጻ ማሕበረኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ዋሽንግተንን ከባቢኣን፡ ብ31 ነሓሰ ብወግዒ ከምእተኸፍተ፡ ካብቲ ቦታ ዝበጽሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

Categories