ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ሹማ፡ ኣብ ትሕቲ’ታ ብኣስታት ሰለስተ ሚልዮን ናቕፋ ትህነጸሎም ዘላ ዲጋ ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምስልሳል ምድላዋት የካይዱ’ለዉ።

እቶም ነበርቲ ኣብ ዝሃቡዎ ርእይቶ፡ እታ ዝዓበየ ክፋል ስራሓታ ዝተዛዘመ ዲጋ፡ ድሮ ትሕተ-ባይታዊ ማይ ክተህብትም ብምጅማራ፡ ሕጽረት ዝስተ ማይን ሰብን ጥሪትን ኣብ ርእሲ ምቅላላ፡ ንሕርሻዊ ልምዓት ኣተባባዒት ኮይና ስለዘላ፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ብሰፊሑ ከምዝዋፈሩ ገሊጾም።

ኣብቲ ንኡስ ዞባ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኢንጅነር ከሰተ ገብረትንሳኤ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እታ 12 ሜትሮ ብራኸ፡ 60 ሜትሮ ድማ ቁመት ዘለዋ ዲጋ፡ ምስ ተዛዘመት ኣስታት 120 ሽሕ ሜተር ኲብ ማይ ክትሕዝ ከምእትኽእል ብምጥቃስ፡ ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዓቢ ዕድል ከምእተርሑ ኣብሪሁ።

Categories