ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ፍርያት ሕርሻን እንስሳታትን ንምኽዕባት ተባሂሎም ዝፈርዩን ዝዝውተሩን መድሃኒታት ብምቁጽጻር፡ ድሕነት ተጠቀምቲ ንምውሓስ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ንምድንፋዕ፡ ዝዓለመ ዓውደ-ዘተ፡ ብ29 ነሓሰ ኣብ ባረንቱ ተኻዪዱ።

ኣብ’ቲ ሓለፍቲ ክፍልታት፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን-ዞባታት፡ ሰብ ሞያ ሕርሻን ምስ ምፍራይ መግቢ ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎም ሓረስቶትን ኣከፋፈልቲን ዝተረኽቡሉ ዓውደ-ዘተ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ኣቡበከር ዑስማን፡ ድሕነት መግቢ ምርግጋጽ ንዝተወሰኑ ኣካላት መንግስትን ክፋል ሕብረተሰብን ጥራይ ዝግደፍ ዕማም ስለዘይኮነ፡ ሰፊሕ ጎስጓሳት ክካየድ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ እቲ ዓውደ-ዘተ ኣካል ናቱ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ጨንፈር ዞባዊ ኣገልግሎት ቁጽጽር ኣቶ ሓጎስ ገብረማርያም ብወገኑ፡ ብሰንኪ ድሕነቱ ዘይተረጋገጸ መግቢ ዝኸሰቱ ጥዕናዊ ጸገማት ንምውጋድ፡ ኣፍረይቲ፡ ኣከፋፈልትን ተጠቀምትን፡ ኣብ ኣገባባት ምፍራይ፡ ምዕቃብን ኣጠቓቕማን መግቢ ዘለዎም ኣፍልጦ ከዕብዩን ብሞያውያን ንዝወሃብ ምኽርን መምርሒታትን ክኸተሉን ብምዝኽኻር፡ ምስ ምምሕዳራትን ትካላት ጥዕናን ብምውህሃድ ዝሰላሰሉ ዘለዉ ቁጽጽራዊ ስርሓት፡ ብዝተወደበ ኣገባብ ክድፋኣሎም ምዃኑ ገሊጹ።

ሞያዊ ጽሑፋት ዘቕረቡ ክኢላታት ብግደኦም፡ መግቢ – ምስ ጥዕና ቀጥታዊ ምትእስሳር ስለዘለዎ፡ ካብ ምፍራይ ክሳብ ኣብ መዓላ ዝውዕል ልዑል ጥንቃቐን ኣፍልጦን ከምዝሓትት፡ ስለዚ ድማ ኣፍረይቲ ዝኽተልዎ ኣገባባት ብስነ-ፍልጠት ዝተደገፈን ንብከላ ዘይተቓልዐን ክኸውን፡ ክሳብ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ድማ ጥንቃቐ ክግበር ከምዝግባእ ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብ ኣገባባት ኣጠቓቕማ ጸረ-ጻህያይን ባልዓትን መድሃኒታት ዕቱብ ኣድህቦን ቁጽጽርን ክግበር ኣተሓሳሲቦም።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ዘይሕጋዊ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት መግትኢ ክግበረሉ፡ ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ካብ ንመግቢ ዘገልግሉ ሃለኽቲ ክርሕቕ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ዘበርኹ ንጥፈታት ብስፍሓት ክትግብሩ፡ ቁጽጽራዊ ስራሓት ክሕይልን መቕጽዒ ሕጋታት ክህሉን ዝብል ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ኣብርሃ ጋርዛ፡ ሓረስቶት ብዝሒ ምህርቲ ኣብ ምፍራይ ጥራይ ከይተደረቱ፡ ብቕዓቱን ድሕነቱን ዝተረጋገጸን ኣሉታዊ ጥዕናዊ ጸገማት ዘይብሉን ቀረብ ንምውሓስ፡ ብሞያውያን ዝተማእከለ ኣገባብ ክኽተሉን ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩን ብምዝኽኻር፡ ብሰንኪ ዘይሓላፍነታውያን ኣፍረይትን ኣከፋፈልትን ክስዕብ ዝኽእል ጥዕናውን ከባቢያውን ጸገማት ንምግታእ፡ ውሁድ ናይ ምቁጽጻር ስራሓት ክትግበር ጸዊዑ።

Categories