ጨንፈር ሃብቲ ባሕሪ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ምውህሃድ ፍልጠትን ምሕደራ ጸጋታት ዓሳን፡ ከምኡ’ውን ሳዕቤናት ደረቕን ፈሳሲን ጐሓፋት ኣብ ምንጭታት ማይ ኣብ ምእላይ ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ብ28 ነሓሰ ኣብ ከተማ ከረን ኣካዪዱ።

እቲ ዘተ፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ተሳተፍቲ ኣብ ኣተኣላልያን ሳዕቤናትን ደረቕን ፈሳሲን ጐሓፋት ክብ ብምባል፡ ኣብ ከም ዲጋ፡ ሓጽቢ፡ ዛራ፡ ዒላን ካልእን ምንጭታት ማይ ዝስዕብ ብከላ ንምንካይን ንምግታእን ዝዓለመ እዩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሃብቲ ባሕሪ ኣቶ መሓሪ ሃብተገርግስ፡ ኣብ ዒላበርዕድን ሙሻን ዝርከባ ዲጋታት፡ ምስ ዘለወን ጂኦግራፍያዊ ቅርበት፡ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ጽቡቕ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ስለዘለዋ፡ ነተን ካልኦት ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ክህልወን ምስራሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ግዝያዊት ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ወ/ሮ ክብራ ገብረመስቀል፡ እተን ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ዓመታት ዝተሰርሓ ሓጽብታት፡ ምስ መጠነ ንኡስ ውሁድ ሕርሻ ዝተኣሳሰራ ምዃነን ብምጥቃስ፡ ቀጻልነት ውሕስነተን ብኮም ዝመርሖ ምፍዋስ ማይክዖታት ስለዝረጋገጽ፡ ዕቱብ ኣቓልቦ ክወሃበን ኣዘኻኺራ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ጥቕሚ ዓሳ ኣብ ማሕበረ-ቁጠባዊ ሂወት ዜጋታት ብሓፈሻ ኣብ ገጠራት ድማ ብፍላይ ልዑል ብምዃኑ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ንምስራጹ ሓያል ስራሕ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

Categories