ኣብ ዞባ ማእከል፡ ን150 ሓለፍቲ ኣሃዱታት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ዞባ፡ ሓለፍቲ ትምህርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ሱፐርቫይዘራትን ዳይረክተራትን፡ ብ29ን 30ን ነሓሰ፡ ኣብ ሃገራዊ መለክዒታት ብቕዓት ትምህርቲ ዘተኰረ ስልጠና ተዋሂቡ።

ነቲ ትምህርቲ ዝሃቡ ኣባላት ክፍሊ ሓፈሻዊ ትምህርቲ፡ እቲ ዕላማ – ተዳልዩ ዘሎ ንሃገራዊ መለክዒታት ብቕዓት ትምህርቲ ዝምልከት ወረቓቕቲ፡ ካብ ተሳተፍቲ ብዝርከብ ሓሳባት ብምህብታም ኣብ ስራሕ ንምውዓሉ ምዃኑ ሓቢሮም።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ማእከል፡ ሓላፊ ኣሃዱ መጽናዕቲን ውጥንን ስልጠናን መምህር ማቴዎስ ስብሃትለኣብ፡ እቲ መደብ ከም መፈለሚ – ብደረጃ ሃገር ኣብ 96 ኣብያተ-ትምህርቲ – 16 ካብአን ኣብ ዞባ ማእከል ክፍተን ተዳልዩ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ስለ’ዚ ድማ፡ ንመማህራን ናይተን 96 ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ተመሳሳሊ ስልጠናታት ክውደብ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories