ማሕበር ተራድኦ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብቲ ድባርዋን ከባቢኣን፡ ብ27 ነሓሰ ንጥፈታቱ ዝገምገመሉ ርክብ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ኣባላት ማሕበር፡ ሓለፍቲ ጨንፈር ሚኒስትሪ ሕርሻ ዞባ ደቡብን ንኡስ ዞባ ድባርዋን ካልኦትን ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ብሰንኪ ኣብ መግቢ እንስሳ ዝተፈጥረ ሕጽረት፡ ምህርቲ ማሕበር ብ40 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተሓቢሩ።

ክሳብ 2017 ዕለታዊ 500 ሊትሮ ጸባ ንዕዳጋ ዝቐርብ ዝነበረ፡ ካብ 2018 ንደሓር ግን ናብ ኣስታት 300 ሊትሮ ከምዝወረደ ዝጠቐሰ ጸብጻብ፡ ጉዳይ ምርግጋጽ ቀረብ መግቢ ጥሪት ኣተኵሮ ክወሃቦ ኣዘኻኺሩ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር ኣቶ ሚኪኤል መስፍን፡ ማሕበር ቀረብ ብቕዓቱ ዝሓለወ ጸባ ንምርግጋጽ፡ ኣብ መንደፈራ፡ እምኒ-ሓይሊን ዓዲ-ዃላን ምስ ዝነጥፉ ማሕበራት ተራድኦ ናይ ጸባ ከብቲ ብምትሕብባር ንጥፈታት ልምዓት ሳዕሪ ከምዘሰላስል፡ ከምኡ’ውን ናይ ምልውዋጥ ተመኵሮ መደባት ከምዘካይድ ብምጥቃስ፡ ብዝበለጸ ንምድንፍዑ ከምዝሰርሕ ገሊጹ።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ማሕበር ቀረብ መግቢ እንስሳ ንምውሓስ ዘካይዶ ጻዕሪ ክደፍኣሉ፡ ንምምስራሕ ጸባ ተባሂሉ ዝተዋደደ ትካል፡ ናይ ጸዓት ኤለክትሪክን ካልእን ጠለባቱ ክማልኣሉ ዝብሉን ካልኦትን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

ኣብ 1999 ዝቘመ ማሕበር ተራድኦ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብቲ ድባርዋን ከባቢኣን፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ ልዕሊ 180 ኣባላት ኣለውዎ።

Categories