ካብ 28 ክሳብ 30 ነሓሰ ኣብ ዮኮሃማ – ጃፓን ኣብ ዝተቓንዐ 7ይ ኣህጉራዊ መጋባእያ ቶክዮ ንልምዓት ኣፍሪቃ – ‘ቲካድ’ ዝተሳተፈ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ጃፓን ኣቶ እስቲፋኖስ ኣፈወርቂን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃፓን ሚስተር ታሮ ኮኖ ተራኺቡ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ’ቲ ጐድኒ-ጐድኒ 7ይ መጋባእያ ‘ቲካድ’ ዝተኻየደ ርክብ፡ ክልተኦም ወገናት፡ ነቲ ዝምድና ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክብ ንምባሉ ንዘሎ ድሌትን ቅሩብነትን ድሕሪ ምርግጋጽ፡ በብእዋኑ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዝካየድ ናይ ምምኽኻርን ምልውዋጥ ሓሳባትን መድረኻት ንምዕዛዝ ተረዳዲኦም።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ጃፓን ዛጊት ንኤርትራ ክትገብሮ ንዝጸንሐት ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ ድሕሪ ምምስጋን፡ ኣብ ጽላታት ሕርሻ፡ ሃብቲ ዓሳ፡ ትሕተ-ቅርጽን ጥዕናን ምድግጋፋ ከተሐይል ትጽቢት ከምዝግበር ገሊጹ።

ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊኑ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ንምድልዳል፡ ድሉውነት ሃገሩ ዘረጋገጸ ሚኒስተር ታሮ፡ ጽላት ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ ንምድንፋዕ፡ ጃፓን ክኢላውን ቴክኒካውን ደገፍ ክትገብር ቅርብቲ ምዃና ኣነጺሩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ብዘይካ’ዚ፡ ጐድኒ-ድኒ’ቲ መጋባእያ ኣብ ዝተሰላሰለ ፍሉይ ዋዕላ ሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክሳተፍ እንከሎ፡ ምስ ሰበስልጣን ዝተፈላለያ ሃገራትን ዞባውያንን ኣህጉራያንን ውድባትን፡ ኣብ ምድንፋዕ ዝምድናታት ዘተኰረ ርክባት ኣካዪዱ።

Categories