ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ንህዝቢ፡ ኣብ መደባት ማሕበራዊ ድሕነት ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ኢዮብ ኪዳነ፡ ጽጉማት ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ተዋፊረን ማሕበረቁጠባዊ መነባብሮአን ዘመሓይሻሉ ዕድላት ክረኽባ ዝካየድ ጻዕሪ ንኽዕወት፡ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት፡ ኣብያተ-መግብን መስተን፡ ኣብያተቁርሲ፡ ኣብ መዘናግዒ ማእከላት ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ደቂ-ኣንስትዮ፡ ሞያ ቀሲመን ህይወተን ከመሓይሻ ዘድሊ ምትሕብባር ክግበረለን ድማ ተላብዩ።

ኣካያዲ ስራሕ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ኣቶ ክብረኣብ ፍስሃጼን፡ እቲ ጉዳይ ውህደት ናይ ኩሎም ኣካላት ዝሓትት ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ምምሕዳር ምስ ህዝብን ወነንቲ ትካላትን ብምትሕብባር ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

Categories