ኤርትራውያን ነበርቲ ሪፓብሊክ ሱዳንን ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳንን፡ ብ22ን 25ን ነሓሰ ኣብ ካርቱምን ጁባን ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ኣሰላሲሎም።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ኣቶ ኢብራሂም እድሪስ፡ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ካርቱምን ከባቢኣን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ከባቢናን ዞባናን ሰሚናር ኣካዪዱ።

ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ ካብ ሓዲድ ልምዓት ንምእላይናን ንምምብርካኽናን ዝተወጠነ ኩሉ ዓይነት ሽርሕታትን ጠቐናታትን፡ ብሓያል መኸተ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብናን ብቕዓት መሪሕነቱን ከምዝበርዓነ፣ ጸጋታት ሰብና እቲ ቀንዲ መንኰርኰር ልምዓት ስለዝኾነ ድማ – ብዝለዓለ ይስራሓሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣቶ ኢብራሂም፡ “ሎሚ እውን ከም ወትሩ፡ ናብ’ቲ እንሕልኖ ክንበጽሕ ምእንቲ፡ ውዳበታትናን ሓድነትናን ብምድልዳል፡ ትኩርነትና ኣሐይልና ኣበርክቶና ከነዕዝዝ ይግባእ” ክብል ኣገንዚቡ።

ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን እውን፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብታ ሃገር – ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ ንኤርትራውያን ነበርቲ ጁባ ሰሚናር ሂቡ።

ኣምባሳደር ዮውሃንስ፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገር፡ ከባቢናን ዞባናን ኣብ ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ፡ ውጽኢት ውፉይ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን መሪሕነቱን ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

Categories